ሱዳን፡ ልዕሊ 30 ዓመት ዘቑጸሩ ጥቡቕ እስላማዊ ሕጊታት ኣመሓይሻ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንልዕሊ 30 ዓመታት ብእስላማዊ ሕግታት ክትመሓደር ዝጸንሐት ሱዳን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ካብ ምፍቓድ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃይማኖትካ ናይ ምቕያር መሰል ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ገይራ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ሞራላዊ ስነ ምግባር ወጻእ ዝኾኑ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ኣደባባይ ክግረፉ ዝእዝዝ መምርሒ ደው ክብል ኣዊጃ።
ሱዳን ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ኸልኪላ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ ሱዳን ነስረዲን ዓብዱልባሪ፡ "ኣብ ሱዳን፡ ኩሎም ንሰብኣዊ መሰላት ዘቆናጽቡ ሕግታት ከነልግሶም ኢና" ኢሉ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ደቀን ሒዘን ናብ ካልእ ቦታ ንምንቅስቓስ ካብ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ምሕታት ኣየድልየንን።
እዚ ለውጢ፡ ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ምስ መጽአ ዝውሰድ ዘሎ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ።
እዞም ሓደሽቲ ሕግታት እንታይ ይብሉ?
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሱዳን ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም ብሕጊ ዘቕጽዕን ዝተኸልከለን እዩ ነይሩ።
ሕጂ ግን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዓብዱልባሪ ገሊጹ።
እዞም ሰባት እስላም ምስ ዝኾኑ ብሓባር ክሰትዩ እንተተረኺቦም ግን ክቕጽዑ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።
እቶም እስላም ዘይኮኑ ሰባት 3 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ዝሕዙ ኮይኖም፡ መንግስቲ መሰላቶም ንምኽባር ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ገሊጹ።
ስለ ዝኾነ ድማ፤ ድሕሪ ሕጂ ክሸጡን ክሰትዩን ተፈቒዱሎም ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብኻልእ ወገን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሰባት፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝሓወሰ ከቢድ መቕጻዕቲ ይፍረዶም ነይሩ።
ብ2014፡ ሜሪያም ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ክርስቲያን ወዲ ተባዕታይ ምስ ተመርዓወት ብስቅላት ክትቕጻዕ ተፈሪዱዋ ነይሩ።
ሜሪያም፡ ኣብቲ እዋን ነፍሰ ጾር ስለ ዝነበረት እቲ ፍርዲ ከይተፈጸመ ተሪፉ ካብ ሱዳን ክትወጽእ ክኢላ። ግን ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ሕግታት ጠጠው ክብሉ ብርክት ዝበሉ ጎስጓሳት ክካየዱ ጸኒሖም።
ኣብ ሱዳን ሓደ ሃይማኖቱ ዝቐየረ ሰብ፡ "ንድሕነት ህዝቢ ስግኣት'ዩ" ተባሂሉ ይወስድ ነይሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







