ሱዳን፡ ልዕሊ 30 ዓመት ዘቑጸሩ ጥቡቕ እስላማዊ ሕጊታት ኣመሓይሻ

ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ሱዳን ክቕየሩ ጎስጓሳት ከካይዳ ጸኒሐን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ብርክት ዝበሉ ሕግታት ሱዳን ክቕየሩ ጎስጓሳት ከካይዳ ጸኒሐን

ንልዕሊ 30 ዓመታት ብእስላማዊ ሕግታት ክትመሓደር ዝጸንሐት ሱዳን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ካብ ምፍቓድ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሃይማኖትካ ናይ ምቕያር መሰል ዘረጋግጹ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ገይራ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ሞራላዊ ስነ ምግባር ወጻእ ዝኾኑ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ኣደባባይ ክግረፉ ዝእዝዝ መምርሒ ደው ክብል ኣዊጃ።

ሱዳን ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ብምግላጽ ኸልኪላ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ሱዳን ነስረዲን ዓብዱልባሪ፡ "ኣብ ሱዳን፡ ኩሎም ንሰብኣዊ መሰላት ዘቆናጽቡ ሕግታት ከነልግሶም ኢና" ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ደቀን ሒዘን ናብ ካልእ ቦታ ንምንቅስቓስ ካብ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ምሕታት ኣየድልየንን።

እዚ ለውጢ፡ ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ምስ መጽአ ዝውሰድ ዘሎ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ።

እዞም ሓደሽቲ ሕግታት እንታይ ይብሉ?

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሱዳን ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም ብሕጊ ዘቕጽዕን ዝተኸልከለን እዩ ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ እስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዓብዱልባሪ ገሊጹ።

እዞም ሰባት እስላም ምስ ዝኾኑ ብሓባር ክሰትዩ እንተተረኺቦም ግን ክቕጽዑ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

እቶም እስላም ዘይኮኑ ሰባት 3 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ዝሕዙ ኮይኖም፡ መንግስቲ መሰላቶም ንምኽባር ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ገሊጹ።

ስለ ዝኾነ ድማ፤ ድሕሪ ሕጂ ክሸጡን ክሰትዩን ተፈቒዱሎም ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ፡ ሱዳናውያን ተጠቀምቲ ኣልኮላዊ መስተታት እንትርፎ ተሓቢኦም፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክሰትዩ ኣይኽእሉን ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ክሳብ ሕጂ፡ ሱዳናውያን ተጠቀምቲ ኣልኮላዊ መስተታት እንትርፎ ተሓቢኦም፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክሰትዩ ኣይኽእሉን ነይሮም

ብኻልእ ወገን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሰባት፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝሓወሰ ከቢድ መቕጻዕቲ ይፍረዶም ነይሩ።

ብ2014፡ ሜሪያም ኢብራሂም ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ክርስቲያን ወዲ ተባዕታይ ምስ ተመርዓወት ብስቅላት ክትቕጻዕ ተፈሪዱዋ ነይሩ።

ሜሪያም፡ ኣብቲ እዋን ነፍሰ ጾር ስለ ዝነበረት እቲ ፍርዲ ከይተፈጸመ ተሪፉ ካብ ሱዳን ክትወጽእ ክኢላ። ግን ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ሕግታት ጠጠው ክብሉ ብርክት ዝበሉ ጎስጓሳት ክካየዱ ጸኒሖም።

ኣብ ሱዳን ሓደ ሃይማኖቱ ዝቐየረ ሰብ፡ "ንድሕነት ህዝቢ ስግኣት'ዩ" ተባሂሉ ይወስድ ነይሩ።