ሱዳናዊት ዶ/ር ሳራ ዓሊ፡ 'ኣብ ሱዳን ጓንቲ ከማን የብልናን'

ምንጪ ስእሊ, ሳራ ዓሊ
ሱዳናዊት ዶ/ር ሳራ ዓሊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስታት 250 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዜና ምስ ሰመዐት ኣይተገረመትን።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኣብ ሱዳን እቲ ዝነበረ ስርዓተ ጥዕና ዓኒዩ ብምጽንሑ፡ ኣብታ ሃገር ዘይተኣደነ ብድሆታት ከምዘሎ ገሊጻ።
ንበዓላ ምልክታት ኮቪድ-19 ከምዘለዋን፡ ነብሳ ገሊላ ተወሺባ ከምዘላን ሓቢራ። ኣብ ካርቱም ዘሎ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ድማ ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ ገሊጻ።
"ኣብዚ ዓዲ እኹል ቁጽሪ ዶክተራት ስለዘየሎ፡ ብዙሓት ሰባት ብኣዝማ፤ ወቕዒ ልቢ ዝኣመሰሉ ካልኦት ሕማማትን ይሞቱ ኣለው። ምኽንያቱ ኣብ ሆስፒታላት ዶክተራት የለውን"
ኣብ ሱዳን፡ ንኮሮናቫይረስ ንምቕላስ ዝኸውን እኹል ሕክምናዊ መሳሪሒታት ከም ዘየለው'ውን ዶ/ር ሳራ ትሕብር።
"ሰባት መዓልታዊ ቨንቲለተር (ንመተፈሲ ዝሕግዝ መሳርሒ) ክደልዩ ትርኢ። ኣብ ምሉእ ሱዳን ከባቢ 200 ቨንቲለተራት እየን ዘለዋ" ትብል።
ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ምምጽኡ፡ ብዙሓት ሆስፒታላት ጓንቲ ስኢንን ቀልጢፈን ስርሐን ይዓጽዋ ከምዝነበራ'ውን ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ዶኳትር መሰረታዊ ነገራት ከም ጓንቲ ስለዘይነበሮም፡ ንሕሙማት ክምርምሩ ኣይከኣሉን። ነዚ ንብረት ከምጽኡልና ግን ተመባጺም ኣለው" ትብል።
ኣብ ሱዳን፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 1,964 በጺሑ'ሎ። ካብዚኦም እቶም 205 ክሓውዩ እንከው፡ ካልኦት 91 በዚ ቫይረስ ሞቶም ኣለው።
ኣብታ ሃገር ግን፡ ዘርጋሐ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ ሰብ ሞያ ሕከምና ይገልጹ ኣለው።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







