ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ብኣየር ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣየር ብዝንቀሳቐስ ተንሳፋፊ ንጣብ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
እቲ ብኣየር ክመሓላለፍ ዝኽእል ቫይረስ፡ ሰባት ኣመና ኣብ ዝተጨናነቑሉ ከባቢታት፣ ዕጽዋትን እኹል ኣየር ኣብዘይኣትዎም ገዛውትን ኣብያተ ጽሕፈትን ናይ ምኽሳት ዕድሉ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊጹ።
እዚ ሓቂ ምስተረጋጸ ኣብ ገዛ ብዛዕባ ዝግበሩ መከላኸሊ ሜላታት ኮሮናቫይረስ ለውጢ ክህሉ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሰባት እንትስዕሉን እንተህንጥሱን ብዝንጸጉ ደቀቕቲ ነጠብጣባት ከምዝኾነ ክገልጽ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
እዞም ነጠብጣባት ኣብ ኣየር ሰፈፍ ኢሎም ዝጸንሑ እንተይኮኑስ ኣብ ኣቑሑት ወይ ድማ ኣብ መሬት እዮም ዝዓርፉ።
ካብዚ ብዝብገስ'ዩ ድማ ሰባት ኣእዳዎም ደጋጊሞም ብሳሙና ክሕጸቡ ሰብሞያ ዝምዕዱ ዘለዉ። እንተኾነ ግን ካብ 32 ሃገራት ዝተዋጽኡ 239 ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ በዚ ሓሳብ እዚ ከምዘይሰማምዑ ሓሳቦም ብደብዳቤ ኣፍሊጦም እዮም።
ሓሳብ ናይዞም ተመራመርቲ፡ ኮሮናቫይረስ ብኣየር እውን ክመሓላለፍ ይኽእል'ዩ ዝብል እዩ።
በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘውጽእዎም ደቀቕቲ ንጣባት ኣብ ኣየር ሰፈፍ ኢሎም ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ከምዘለዎም እዮም ዝዛረቡ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎራዶ ምሁር ኬሚስትሪ ጆሴ ጃሚኔዝ "እዚ መረዳእታ ክቕበሉ እዩ ድሌትና" ኢሉ።
"እዚ ለበዳ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘነጻጸረ እንተይኮነስ፡ ሳይንሳዊ መርትዖ እዩ። እዚ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክነቕርቦ ዝደለናሉ ምኽንያት መርትዖታትና ኣይንቕበልን ጠንጠነልና ስለዝበሉ'ዩ" ክብል ድማ ንሮይተረስ ተዛሪቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም መርትዖ እዞም ተመራመርቲ ሓቅነት ክህልዎ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ'ሎ።
ጻዕቒ ሰባት ኣብ ዘለዎ ከባብን ኣብ ዕጽው ገዛውትን ክመሓላለፍ ከምዝኽእል ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ መርትዖ ሓድሽ ስለዝኾነ ተወሳኺ ምርምር ከምዝሓትት ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ።
ሓቅነት እዚ መርትዖ ምሉእ ብምሉእ ምስተረጋገጸ ኣብ መከላኸሊ ሜላታት ኮሮናቫይረስ ውሱን ለውጢ ከምዝግበርን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን 'ማስክ' ምጥቃም ግድን ክኸውን ከምዝኽእልን ይግለጽ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ብፍላይ ኣብ ኣብያተ መስተን መግብን ከምኡ'ውን ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትግበር ይኽእል እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







