እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ዝሰሓቐ ኮሜዲያን ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ
ንሸሞንተ መዓልታት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ታንዛኒያዊ ኮሜዲያን ኢድሪስ ሱልጣን፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዳሬሰላም ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ።
ሱልጣን፡ ብሽም ካልእ ሰብ ዝተመዝገበ ሲም ካርድ ተጠቒሙ ገበን ሳይበር ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ተኸሲሱ'ዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ዘሎ።
ኮሜዲያን ሱልጣን፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ስእሊ ፕሬዝደንት ጆን ማጉፉሊ እናስሓቐ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ፌስቡክ ብሰፊሑ ምስ ዘርግሐ'ዩ ዝሓለፈ ሰሙን [ብሰሉስ] ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።
እዚ ስእሊ፡ ፕሬዝደንት ጆን ማጉፉሊ ልዕሊ ዓቐኑ ዝኾነ ሱፍ ተኸዲኑ ዝተሰኣሎ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ፖሊስ ኮሜዲያን ኢድሪስ ሱልጣን ናይ ሳይበር ገበን ፈጺሙ፣ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ኣባጭዩ ዝብል ክሲ ከም ዝመሰረተሉ ጠበቕኡ ቤነዲክት ኢሻባካኪ ተዛሪቡ።
ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ናይዚ ኮሜዲያን ስእሊ መለለዪ ስእሎም ብምጥቃም #ኢድሪስሱልጣንፍትሑዎ ዝብል ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለው።
ዝሓለፈ ዓመት'ውን ሱልጣን ናቱን ናይቲ ፕሬዝደንትን ስእሊ ገይሩ 'ብፌስ ስዋፕ' ሰሪሑ ምስ ጠቅዐ ተኣሲሩ ነይሩ።
እዚ፡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ዝዳፋእን ተራጻምን ስጉምቲ ተባሂሉ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተነቒፉ ነይሩ።