ኣብ ኢትዮጵያ፡ "መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ዳርጋ ቤንዚን እየን ዝንስንሳ ዘለዋ" ዶክተር ዘነበ በየነ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገለ ከባብታት ትግራይ ካብ ሓድሽ አወዳድባ ወረዳታት ዝነቐለ ተቓውሞ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ነቲ ክስተት ዓብዪ ሽፋን ዝሃበኦ፤ ኣብ ፌዴራል ዝርከባ ሚድያታት ኮይነን፡ እቲ ዘቕረባሉ መገዲ ግን ቅረታ ይፈጥር ኣሎ።
ኢቢሲ፣ ዋልታ፣ ፈና ብሮድካስቲንግ፤ ፕሬስ ኤጀንሲን ኣዲስ ዘመንን፡ ዘቕረበኦ ጸብጻባት ወፍሪ ይመስል ተባሂሉ ተነቒፉ።
ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ: ሚድያታት መንግስቲ ክልል ትግራይ'ውን ነቲ ክስተት ድሒረን እየን ኣቓሊሐንኦ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ትካል በዓል መዚ ብሮድካስት፡ ኣብ ልዕሊ ሕሶት ነዚሐን ዝበለን ሚድያታት ፌዴራል ስጉምቲ ክወስድ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ። ብርግጽ፡ እቲ በዓል መዚ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ሓለፍቲ ፓርቲ ብልጽግና ድማ፡ እቲ ክስተት፡ ንህወሓት ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝዓለመ ህዝባዊ ናዕቢ ከምዝኾነ እዮም ገሊጾምዎ።
ብፍላይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና፡ ኣይተ አወሉ ኣብዲ፡ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ: ናይ ካሊእ እዋን ምስልታት ስለዝተጠቐመ ሓያሎ ነቐፌታ ይበጽሖ ኣሎ።
ብሓፈሻ፡ እቲ ጸብጻባትን መግለጺታትን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ትግራይን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይመርሕ ከምዘሎ ብዙሓት ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Zenebe Beyene [PhD]
ዶክተር ዘነበ በየነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ [ኣመሪካ] መምህር ጋዜጠኝነት እዩ። ኣብ ጉዳይ ሚድያን ሃራዊ ህንጸትን ኣመልኪቱ ዓᎁቕ መጽናዕቲ ዘካየደ ኢትዮጵያ ምሁር እዩ።
ከምዚ ዓይነት ኣጸባጽባን ኣከያይዳን ሚድያት መንግስቲ 'እንታይ የስዕብ ይኸውን?' ክብል፡ ቢቢሲ ንዶክተር ዘነበ ገለ ሕቶታት ኣቕሪብሉ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳ ተዛሚዱ ዝተልዓለ ተቓውሞ፡ ብሚድያታት ፌዴራል መንግስትን ማሕበራዊ ሚድያን፡ ካሊእ መልክዕ ሒዙ ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ ዘሎ'ሞ፡ ናትካ ትዕዝብቲኸ እንታይ እዩ?
ዶ/ር ዘነበ፡ ሓደ ፍጻመ ናብ ጎንጺ ከምርሕ ዝገብሮ ዝተጸብጸበሉ መንገዲ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዝሓትት።
ብቐዳምነት፡ እቲ ዝተልዓለ ሕቶ ኣብ ምፍታሕ: ሚድያ ዓርሱ ዝኸኣለ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ክኣምን ኣለዎ።
ይኹን'ምበር ከምቲ ዝበልካዮ፡ ኣብ ስሩዕ ሚድያ ኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝቐረበሉ መገዲ፡ ነንሕድሕዶም ዝተዋቕዑ ነገራት እዩ ዘባርዕ ዘሎ። ነቲ ህዝቢ ዝበኣሰ ዘደናግር እዩ። ሓላፊነት ዝጎደሎ ተግባር ዝተፈጸመ እዩ ዝመስለኒ ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
ንኣብነት ናትኩም ዝሰራሕኽምዎ ይርእይ ነይረ። ርክብ ህዝቢ እቲ ክልል ዝኾነ ዝተፈጥረ ነገር ከምዘየለ እዩ ገሊጹ። ንስኻትኩም ግን ኣብቲ ክልል ብተጨባጥ ኣብ መሬት ዘሎን፡ እቲ ዝበሃል ዘሎን ነጺርኩም ኣቕሪብክምዎ። እቲ ዝቐረበ ሕቶ መንግስቲ እቲ ክልል ክፈትሐሎም ዝደሊዩዎ'ዶ ወይስ፡ መንግስቲ ንምውራድ እዩ፤ ኣብሪህኽምዎ።
ሓቂ ንምዝራብ መብዛሕተኦም ሚድያታት ሓላፍነት ዝጎደሎ ዝሰርሑ እዩ ዝመስለኒ።
በዓል መዚ ብሮድካስት ኮነ ካሊእ መንግስታዊ ኣካል፡ "እቶም ዝተሰርሑ ዜናታት ሰላም እቲ ሕብረተሰብ ዝዘርጉ ድዮም ኣይኮኑን" ኢሉ ክምርምሮም ኣለዎ። እቲ ጌጋ ዝሰርሐ ድማ ክእረምን ብሕጊ ክሕተትን ኣለዎ።
'እገለ ዝተብሃለ ሚድያ'ዚ ጌጋ ሰሪሑ' ኢለ ስም ጸሪሐ ክዛረብ ዘኽእል ኣብ ኢደይ ዳታ የብለይን። እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ካብቲ ዝረእኽዎን ዝሰማዕኹዎን ካብ ሓደ ስሩዕ ሚድያ ዘይትጽበዮ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ።
እዚ ኣብ ክልላት ኮነ ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ዝነቖጣ ሚድያታት ዝተርአየ እዩ።
ዝኾነ ይኹን ሚድያ፡ ጥሉል ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ኣለዎ።
እዚ ኣብ ዘይገብረሉ ሰዓት፡ ኣብ ህዝቢ ምድንጋራት ይፍጠር፤ ነዃላት ይፍጠሩ። ሕሶት ይጋነን።
ካብኡ ድማ፡ ተበለጽቲ ኣለዉ፡ እዚ ዝጸብዮም ትኹረት ዝደልዩ። ነቲ ሕሶት ተቐቢሎም የንበድብድዎ። ህዝቢ ግን ሰላሙ ይስእን። እዚ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዝረአ ጸገም እዩ።
እቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኮይኖም ተዋሂዶም ክሰርሑ ይግባእ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ግን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጸገም ዳርጋ ቤንዚን እየን ነስኒሰን። እዚ ፍታሕ ክኸውን ኣይከእልን።
ነዚ እዩ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ሚድያ ዘለና ሰባት ክንጥንቀቕ ዝግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዝተኸሰቱ ዓበይቲ ጸገማት ብሚድያ ዝተወልዑ እዮም።
ሓላፍነት ብዝጎደሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓድሽ ወለዶ ጸሊም ነጥቢ ገዲፍና ከይንሓልፍ ይሰግእ።
ቢቢሲ፡ ብፍላይ ብጭቡጥ ኣየኖት ዓይነት ጸብጻባት እዮም ሓደጋ ከብጽሑ ዝኽእሉ ዝበልካዮም? እቲ ህዝቢኸ እቲ ሓሶትን ሓቂን ብኸመይ እዩ ክፈልዮ ዝኽእል?
ዶ/ር ዘነበ፡ ብዙሕ እዩ። ንኣብነት፤ ኣብ ካሊእ ከባቢ ዝተፈጸሙ ነገራት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸመ ገይርካ ምቕራብ ኣዝዩ ሓላፍነት ዝጎደሎ ግብሪ እዩ።
ናይ ሓደ ሚድያ ዓብዪ ሃብቱ፤ ተኣማንነት እዩ። ምንጪ ሓበሬታና መን እዩ? እቲ ሓበሬታኸ ሓቃውነቱ ክንደይ ዝኣክል'ዩ?፤ ብኸመይከ ንጥቀመሉ? ኢልካ ምሕታት የድሊ።
ናይቲ ሕብረተሰብ ንቕሓት ምዕባይ ድማ የድሊ። እቲ ህዝቢ ከምዚ ሕሶት ዝነዝሑ ሚድያት ዝጥንጥኖም፡ ንቕሕቱ ምስ ዝፈጥር ጥራሕ እዩ።
ሓደ ሚድያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተፈጸመ ሎሚ ተገይሩ ኢሉ ከቕርብ እንተሎ፡ ንግዚኡ ህዝቢ የደናግር 'ምበር ብቐጻሊ ዝጉዳእ ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ ውዒሉ ሓዲሩ፤ ህዝቢ ኣብቲ ትካል'ቲ ሚድያ ዘለዎ እምነት ስለዝሽርሸር እዩ።
ዝኾነ ኾይኑ ግን፡ መንግስቲ ከምዚኦም ዓይነት ሓላፍነት ዘይስመዖም ትካላት ሚድያ ተሓተትቲ ክገብር ኣለዎ። ምኽንያቱ መንግስቲ ናይ ሓደ ህዝቢ ድሕነት ክሕሉ ይግደድ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኢህወዴግ፡ እቲ ሚድያ ናይ መንግስቲ ወሃቢ ቃል ኮይኑ ተባሂሉ እዩ ዝሕመ ነይሩ። ድሕሪ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተገብረ ለውጢ ከመይ ሪእኻዮ?
ዶ/ር ዘነበ፡ ጽቡቕ ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ ተደጋጊሙ ክለዓል እሰምዖ እየ። 'መነግስትስ ተለዊጡዋ ሚድያ ኸ?' ዝብል።
ንምዃኑ፡ መንግስቲ ተለዊጡ ድዩ? ናይ ኩላትና ሕቶ እዩ።
ርግጽ እዩ፤ ምምሕዳራዊ ለውጢ ተገይሩ እዩ። ካብ ኣይተ መለስ ናብ ኣይተ ሃይለማርያም ካብኡ ድማ ናብ ዶክተር ኣብዪ ናይ ስልጣን ስግግር ተገይሩ እዩ። ክንዝንገዖ ዘይግበአና ግና፡ ኩሎም መራሕቲ ኢህወዴግ ምዃኖም እዩ።
ኣብ ዘበነ ዶክተር ኣብዪ፡ ክንግምቶም ዘይንኽእል ብዙሓት ለውጥታት መጺኦም እዮም።
ብኡ ልክዕ፤ 'ሚድያኸ ተቐይሩ ድዩ?' ዝብል ግን ብዕሊ ክንፍትሾ ኣለና።
ምኽንያቱ እቶም ጋዜጠኛታት ንሶም ባዕሎም እዮም። እቲ ዝጥቀምሉ መሳርሒ ድማ ንሱ እቲ ዝነበረ እዩ። እቲ ኣተሓሳስባ'ውን [ማይንድ ሴት] ውን እቲ ዝጸንሐ ነባር እዩ።
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣይተቐየረን።
ምኽንያቱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ካብቲ ማሕበረሰብ እዩ ወጺኡ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ተቐይሩዶ ኢልና እንተሓቲትና፤ ኣይፋሉን። እኳ ደኣስ፡ ብኢስዎ እዩ ዝርክብ።
ኣብ ገለ ሚድያታት ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጸግዒ ሒዝካ ደንጎላ ምውርዋር እዩ ዝረአ ዘሎ።
እቲ ደንጎላ ግን ናብ ህዝቢ እዩ ዝውርወር ዘሎ። ናብ ዓዲ አዩ ዝውርወር ዘሎ። ሓደ ሓደ ግዜ፤ ኩላትና ኢትዮጵያውያን ምዃንና ዝረሳዕና እዩ ዝመስለኒ።
'እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡ ናበይ ኢናኸ ነምርሕ ዘለና?'- ዝብል ኣጥቢቕና ክንሪኦ ኣለና።

ምንጪ ስእሊ, Awelu Addsi Standard and DW
ከምቲ ቅድም ዝበልኩዎ፡ እቲ መንግስታዊ ምሕደራ ነቲ ፖለቲካዊ ባህልን ባህርን እንድሕር ዘይቐየሮ፤ እቲ ሚድያ ሓድሽ ነገር ከመንጩ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ለዋህነት እዩ።
ኣብዚ ግዜ'ኮ፡ ኩሉ በብከባቢኡ ሓደ ብርቱዕ ሚድያ ኣለዎ ወይ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ ዝተኣማመን። ስም ምጥቃስ ዘድሊ ኣይመስለንን፤ ብግልጺ ስለ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ኩነታት ኣብ እዋን እንተደኣ ዘይተዓርዩ፤ ጽባሕ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና እዩ።
ቢቢሲ ፡ እቲ ኩነታት ብዚ እንተቐጺሉ እንታይ ከስዕብ ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣለካ?
ዶ/ር ዘነበ፡ ንኣብነት ኣብ ኬንያ ብ2007/8 ኣብ ጽባሕ መረጻ ዝኾነ ንረአ። ኣብቲ እዋን ዝተወለዐ ዓሌታዊ ጎንጺ ቀንዲ ዘበራርዕዎ፤ ማዕኸናት ሬድዮ እየን።
ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት'ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። መንግስቲ እኹል ትኹረት ሂቡ ገለ እንተዘይገይሩ፡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና እዩ።
ስለዚ "ኣብ ላዕሊ ናይ መንግስቲ ለውጢ ተገይሩ እዩ'ሞ ኩሉ ነገር ክቕየር እዩ፤ እቲ መገዲ ናብ ምድራዊት ገነት ክወስደና እዩ" ኢልና ንሓስብ እንተሃሊና ንባዕልና ኢና ነታልል ዘለና።
ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፡ ሕዚ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ድማ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ።
ካሊእ ተሪፉ፡ ሚድያታት መንግስቲ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ ምላሽ ክህባ ዝውዕላ እየን ዝመስላ።
ኣብ ማይንማር፡ ዘጓነፈ ዓብዪ ናይ ዓሌት ምጽናት ፍጻመ፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ከምዝተመርሐ ክንፈልጥ ኣለና።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post
'ኣብ ከባቢናኸ ሚድያታትና እንታይ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ?' ኢልካ ምሕታት የድሊ።
ናትኩም ሚድያ፤ ኢዲቶርያል ነጻነት ስለዘለኩም ይመስለኒ፤ ንዝኾነ ጉጅለ ክትውግኑ ኣይረእኹን፡ ብዛዕባ ሓዳ ኣካታዓይ ዛዕባ ዝኾነ ሚዛናዊ ጸብጻብ እንድሕር ደልየ ናባኹም እየ ዝመጽእ። ንካልኦት'ውን ከም ኣብነት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ካልኦት ሚድያታት ግን፡ እቲ ጸገም ከምዘሎ እዩ። ወሃቢ ቃል ምዃን፤ ሓለፍትኻ ምፍራሕ፤ ናብ ሓደ ኣንፈት ምውሓዝ እዩ ዘሎ።
ቢቢሲ፡ ሕዚ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ ዝበልካዮም ጸገማት መራኸቢ ብዙሃን ንምቅላል እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል?
ዶ/ር ዘነበ፡ ናይቲ ህዝቢ ባህጊን ትርግታ ልብን ክነዳምጽ ኣለና።
ርግጽ ኣብቲ ሚድያ ዘለዉ: ሰባት ምዃኖም ኣይንረስዕ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጌጋ ይሰርሑ እዮም።
'ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብኸመይ ኢና ብቑዕ ጋዜጠኛ ክንፈጥር እንኽእል' ኢልና ንሕሰብ።
ህንዲ እታ ዝዓበየ ዲሞክራሲ ሃኒጻ ዘላ፡ ካሊእ ሚስጢር ኣይኮነን፤ ምዕቡል ሚድያ ስለዘለዋ እዩ ።
ኣብ ጋና፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ብተነጻጻሪ ዘለው ሚድያታት፡ ዲሞክራሲ ንምህናጽ ኣገልጊሉ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ'ውን፡ ዲሞክራሲን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ክረጋገጽ እንተደሊና ሚድያ ክንቅይሮ ኣለና።
ዓቕሚ እቲ ጋዜጠኛ ንምብራኽ ተደጋጋሚ ስልጠና ምሃብ የድሊ።
ጋዜጠኛታት ዓቕሞም ክዓቢ እንተገይርና፡ ኣድላይ ዝበሃል መሳርሒ እንተኣቕሪብናሎም ዘይቅየር የለን።
እዚ ኩሉ ተገይሩ ዘይቅየር ሰብ እንተሎ ግን፡ ኣብ ኬንያ ሓደ ዝተለምደ ነገር ኣሎ።
'ኔሚነግ ኤንድ ሼሚንግ' ዝብልዎ። ጋዜጠኛ ኮነ ፖለቲከኛ፡ ዘይኮነ ነገር ነገር እንትገብር ኣየሕልፍዎን። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከጋጩ ኣይፈቕድሉን። ሱቕ ኢሎም ኣይዕገስዎንዎን።
ስሙ ጸሪሖም የዋርድዎ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ከምዚ ክልመድ ኣለዎ።
ሎሚ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘጥቅዕ ሚድያ እንተሃልዩ፤ 'ወዲ ተባዕታይ'የ ኣይምልከተንን' ኢልና ንሓልፎ እንተኾይንና፡ ጽባሕ ናባና እንትመጽእ ዝኾነ ኣካል ክዓግቶ ኣይክእልን።
ስለዚ ኣብ ሓደ ወገንና ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ኣብ ኩላትና ከምዝበጽሐ ኢና ክንቆጽሮ ዘለና። ስለ ሓቅን ስለ ደቅናን ክንብል፡ እቲ ሚድያ ክነዓርዮ እንተዘይክኢልና፤ እዛ ሃገር ጽባሕ ዘይክንረኽባ ንኽእል ኢና።
ምኽንያቱ፡ እቲ ሕዚ እንኸዶ ዘለና ኣንፈት ሐደገኛን ሕማቕን እዩ። 'ምበርከ ኢትዮጵያውያን ደቂ ሓንቲ ሃገር ዲና' ኣብ ዘብል ኩነታት ኢና ዘለና።
እቲ ዝግበር ዘሎ ኩሉ፡ ካብ ልቢ ዝወሐጡ ሰባት እትጽበዮ ኣይኮነን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







