እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ረመዳን፡ ኣብ ጀርመን ኣስላም ኣብ ቤተክርስትያን ክሰግዱ ተፈቒድሎም
ኣብ በርሊን እትርከብ ሓንቲ ቤተክርስትያን፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ተግባራዊ ብዘሎ ድንጋገ ምፍንታት: መስጊዶም ንዝጸበቦም ኣስላም ደጌታታ ከም ዘርሓወት ተገሊጹ።
ጀርመን ካብ 4 ግንቦት ጀሚራ: ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ደግም ክቕጽሉ እኳ እንተ ኣፍቀደት ናይ 1.5 ሜትሮ ምፍንታት ክህሉ ግና ትጠልብ።
በዚ ድማ፡ መስጊድ ዳር ኣሳላም ካብ ምእመናኑ ንሒደት ጥራሕ እዩ ከአንግድ ክኢሉ።
ቤተክርስትያን ማርታ ሉተራን ግና ነቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ናይ ረመዳን መዛዘሚ ስግዳን ኣፍደጌታቱ ክፉት ጌሩ።
ኣብ ወርሒ ረመዳን፡ ኣስላም ካብ ጊሓት ክሳብ ዕራርቦ፡ ካብ መግቢ፡ መስተ፡ ሽጋራን ጾታዊ ርክብን ይኽልከሉ።
ኣብ ንቡር ኩነታት ስድራቤትን ኣዕሩኽን ተኣኪቦም የፍጥሩን (ጾም ይስዕሩ) ይሰግዱን።
ኣብዚ እዋን ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ፍልይ ዝበለ እዩ።
ኢማም ናይቲ መስጊድ፡ ንማእከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ እዋን ረመዳንን እዚ ቅልውላውን፡ ሓጎስ ዝፈጥር ጽቡቕ ምልክት እዩ፤ እዚ ለበዳ ኣሕቢሩና ኣሎ" ኢሉ።
ሳመር ሓምዱን ብወገኑ፡ ነቲ ተሞክሮ ምስ ልሙድ ናይ መስጊድ ብምንጽጻር "እቲ መሳርሒታት ሙዚቃ፡ ስእልታት ፍሉይ ስምዒት እዩ ዝፈጥር" ኢሉ።
ኣብቲ ኣገልግሎት: ኣገልገልቲ እቲ ቤተክርስትያን'ውን ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ።