ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ኮቪድ-19 ዝሓወዩ ሰባት እንታይ ይብሉ?

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ኣርባዕተን ፈረቓን ሚሊዮን ሰባት ዘጥቅዐ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝርግሕኡ እናነከየ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል።

እንተኾነ፡ ኣፍሪቃ ቐጻሊት ማእከል እቲ ለበዳ ከይትኸውን ስለ ዝተሰግአ፤ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ደጋጊሞም የጠንቅቑ ኣለው።

ነዚ ቫይረስ ዝምልከት ዝወጽኡ ምዕባለታትን ዝቃልሑ ዜናታትን ባህ ዝብል ነገር የብሎምን።

ኣብ ክሊ እዚ ግን፡ ዛንታ ካብቲ ሕማም ዝሓውዩ ሰባት መጸናዕንዒ ይኸውን ኣሎ። ታሪክ እዞም ሓሙሽተ ሰባት ክንነግረኩም።

"ሕጂ ክትንፍስ ስለ ዝኸኣልኩ ዕድለኛ እየ" ትብል ብኮቪድ-19 ሓሚማ ዝነበረት ኒሃካ ማሃንደሩ።

ሕጹያ ንክትሓትት ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ ናብ ስፔን ምስ ከደት፡ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት ሕማም ርእስን ረስንን ሓዊሱ ካልኦት ናይቲ ሕማም ምልክታት ከተርኢ ጀሚራ።

እቲ ሕማም ንክጸንዓ ግዜ ኣይወሰደሉን፤ ድሕሪ ከቢድ ሰዓል ናይ መተንፈሲ ኣካላ ተጎዲኡ። በዚ ምኽንያት ጓል 28 ዓመት ኒሃካ ኣብ ባርሴሎና ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣትያ።

"ከቢድ እዩ ነይሩ፤ ከተንፍስ ኣይክእልን ነይረ፤ ጉሮሮይ ዝዕጾ ዘሎ ይመስለኒ ነይሩ። እዚ ስምዒት እዚ ኣዝዩ እዩ ዘፍርሕ" ትብል።

እቲ ሆስፒታል ብብዝሒ ሕሙማት ተጨናኒቑ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ገዝኣ ተመሊሳ። ብቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈት'ውን ተረጋጊጹ።

ፓራሲታሞል፣ ሃይድሮክሲክሎሪኪንን ኣንቲባይቶኪስ ትወስድ ምንባራ'ውን ትዛረብ። ሕጂ ሓውያ እያ።

"ሰብ ሞያ ጥዕና ንዝገበሩለይ ሓገዝ ኣዝየ የመስግን"።

'ጽቡቕ ስምዒት እንተሃልዩና ነዚ ቫይረስ ክንዕወተሉ ንኽእል ኢና'

"ብፍቓድ ኣምላክ እዚ'ውን ክሓልፍ እዩ፤ ኩሉ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ" ይብል ጋፋር ማርሁን።

ወዲ 26 ዓመት መራሒ መኪና ሃጋር፡ ኣብ ባሕሬን ብኮቪድ-19 ተታሒዙ ሕክምና ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ።

ጋፋር ምስ በዓልቲ ቤቱ ናብ ኢራን በጺሑ ምስ ተመለሰ እዩ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ፈሊጡ። በዓልቲ ቤቱ ግን ኣይተትሓዘትን።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብዱባይ ገይሮም ናብ ባሕሬን ክምለሱ ከለው፡ 'ብተደጋጋሚ ይስዕል' ካብ ዝነበረ ካልእ ተጓዓዚ ለጊቡዎ ክኸውን ይክእል እዩ።

"ጽቡቕ መንፈስ እንተሃልዩና ነዚ ቫይረስ ክንዕወተሉ ንኽእል ኢና። ኣነ ሓሚመ ከለኹ'ውን ሕጉስ እየ ነይረ። ሓካይም በዚ ይግረሙ ነይሮም" ይብል።

"መጀመርታ ኣብ ባሕሬን በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣነ ምዃነይ ምስ ተፈለጠ፡ ብዙሕ ነቐፌታ ይወርደኒ ነይሩ" ዝብል ጋፋር ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ደቁ ኣይርኣዮምን።

ሕጂ ካብቲ ሕማም ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝሓወየ ዝዛረብ ጋፋር፡ ደቁ ክርኢ ከም ዝሃጸጸ ይዛረብ።

ጃያንታ ራንሲንግሄ

ኣብ ስሪላንሰካ ብኮቪድ-19 ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙን ዝሓወዩን ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ።

ወዲ 52 ዓመት መራሒ በጻሕቲ ዓዲ፡ ዑደት ክገብሩ ምስ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ጥልያናውያን ምስ ቐነየ እዩ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ተረጋጊጹ።

"ብ9 ለካቲት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዝኩ ክንገረኒ ከሎ፡ ሰጊአ። ዝመውት መሲሉኒ ነይሩ"።

ሰብ ሞያ ጥዕና ክስንብድ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ከረጋግዕዎ ክፍትኑ ከለው፡ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ድማ "እቲ ቫይረስ ክተሕልፉልና ትኽእሉ ኢኹም" ብዝበሉ ጎረባብቶም መጥቃዕቲ በጺሑዎም።

ሓንቲ ካብኦም፡ መንበሪ ገዝኦም ንክተቃጽል ሰባት ትእክብ ነይራ። ሰብ ሞያ ጥዕና ቀሪቦም ብዛዕባ እቲ ሕማም ከረድኡዎም ስለ ዝኽኣሉ ጥራሕ ተሪፉ።

18 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሐ ጃያንታ፡ ብ12 መጋቢት ናብ ስድርኡ ተሓዊሱ።

"መንሽሮ ክኢለ ብህይወት እንተነቢረ፤ ኮቪድ-19 ኣይኸብደንን"

ብመንሽሮ መዓንጣ ዝሳቐ ኣንባቢ ዜና ቢቢሲ ጆርጅ አላጊአህ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ይርኢ ስለ ዝነበረ፡ መርመራ ገይሩ፤ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ድማ ተነጊሩዎ።

"ሽዱሽተ ዓመት ሙሉእ ብመንሽሮ ሓሚመ እየ። መንሽሮ ክጸሮ እንተኽኢለ፤ ብኮቪድ-19 ሓሚመ ብህይወት ምጽናሕ ኣይከብደንን ኢለ ንርእሰይ ኣእሚነዮ" ይብል።

ወዲ 64 ዓመት ጆርጅ፡ ሕዱር ሕማም ስለ ዘለዎ ብምክንያት እዚ ቫይረስ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ ተባሂሉ ተሰጊኡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ጆርጅ ካብቲ ቫይረስ ሓውዩ ኣሎ፤ በዓልቲ ቤቱን ግን ምልክታት እቲ ቫይረስ ከተርኢ ጀሚራ ኣላ።

ታይገር ዪ ወዲ 21 ዓመት ተመሃሪ እዩ። ኣብ ውሃን ቻይና ድማ ይነብር።

"ከመይ በቲ ቫይረስ ተለኺፈ ዝብል ኣይፈልጥን" ዝብል ታይገር መጀመርታ ጭዋዳታቱ ምሕማም፣ ድልየት መግቢ ምንካይንን ረስንን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከም ዝርኣየ ይዛረብ።

ድሕሪኡ ተምላስን ውጽኣትን ነይሩዎ።

"ኣብ ህይወተይ ኣዐርየ ዝሓመምኩሉ ግዜ ከይኮነ ኣይተርፍን። ከምዚ ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን"።

"እቲ ተምላስ ብጣዕሚ የቐንዝወኒ ስለ ዝነበረ ይበኪ ነይረ። ዝበላዕኹዎ ኩሉ እዩ ተመሊሱ ዝወጽእ። መላእ ሰብነተይ ይሕመኒ ነይሩ" ክብል እቲ ዝሓለፎ ይዝክሮ።

ኣብ ውሃን ዝርከቡ ሆስፒታላት ብብዝሒ ሕሙማት ተጨናኒቖም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ሆስፒታል ከይዱ ሕክምና ክረክብ ኣይከኣለን። ን10 መዓልቲ ንነብሱ ፈልዩ መድሓኒት ብምውሳድ ለውጢ ክርኢ ጀሚሩ።

"እቲ ዝሓለፍኩዎ ተመሊሰ ክዝክሮ ኣይደልን" ዝብል ታይገር ካብዚ ሕማም ንክሓዊ ስድርኡ ከም ዝሓገዙዎ ይዛረብ።