ኮሮናቫይረስ፡ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ኣብ 'ናይ 14 መዓልታት ዕጽዋ' ጥራሕ ይጠምዩ

ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ ክልተ መሰለስ ካብ ህዝበን ን14 መዓልታት ካብ ገዛ ከይወጽኡ እንተተኣዊጁ ሕጽረት መግብን ማይን ከም ዘጋጥሞም ምግላጾም ሓቢሩ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ዝተሓተቱ'ውን ሕጽረት ገንዘብ ከም ዘጋጥሞም ምግላጾም እቲ ዝወጽአ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዚ መጽናዕቲ ብማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ዝተኻደ ኮይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ለብዳ ኮርናቫይረስ ንምግታእ ዝሕግዝ ፖሊሲ ንምንዳፍ ብዝብል እዩ ተኻይዱ።

እቲ መጽናዕቲ መንግስታት ዓቕሚ ዜጋታተን ኣብ ግምት ከየእተዋ ንኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዘውጽአኦ ኣዋጃት ናብ ዘይርግኣትን ዕግርግርን ከእትወን ከም ዝኽእልን'ውን ኣጠንቒቁ ኣሎ።

እቲ መጽናዕቲ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ 20 ሃገራትን 28 ከታማታትን ኣፍሪቃ እዩ ከይዱ።

ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዊጀንኦ ዝነበራ ዕጽዋ በብቕሩ የዝልቅኦ ከምዘለዋ ዝሕብር እዚ መጽናዕቲ "መንግስታት ዘንበረኦ ኣዋጃት ከዝልቃ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ምስሳኑ በቲ ኣዋጅ ዝተመንሁን ዝተሃስዩን ሰባት ምህላዎ ዘርኢ እዩ" ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ እቶም ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ሰባት ልዕሊ ሰሙን ዘጽንሕ መግብን ገንዘብን የብሎምን።

ኣብ ኬንያን ኣብ ናይጀርያን ዝርከቡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ እቲ ብመንግስታት እዘን ሃገራት ተኣዊጁ ዘሎ ኣዋጅ ዕጽዋን ሰዓታት እቶ እቶን ንሰባት ናብ ጥምየት ኣቃሊዑ የናዕቦም ከምዘሎ ይገልጹ።

እዞም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሸሞንተ ደቃ ተሰፋ ንኸተስንቕ እምኒ ዝጠጠቐትሎም ኬንያዊት መብለት ከም ኣብነት የቕርብዋ።

እቲ መጽናዕቲ መንግስታት ኣዋጃት ነዲፎም ኣብ ተግባር ቅድሚ ምውዓሎም፡ ንህዝቦም ኣገዳስነት እቲ ኣዋጀት ከእምንዎም ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ውድብ ጥዓና ዓለም ዝኾነት ማትሺዲሶ ሞቱ ብወገና "ካብ ኢቦላ ዝተማሃርናዮ ነገር ኣሎ፡ ሃገራት ናይ ምልላይን ምምርማርን ዓቕመን ብምትርናዕ ዝህበኦ ግብረ መልሲ ወሳኒ እዩ" ትብል።

ኣብ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ናብርኦም ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ኮይኑ ካብ ገዝኦም ወፊሮም እዮም ዝሰርሑ።

እዚ ጸብጻብ "ሃገራት ኣብ ሞንጎ ምጉዳል ዝርገሐ ኮሮናቫይረስን ኣብ ሞንጎ ከጋጥም ዝኽእል ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ዘሎ ምምጥጣን ኣዛሚደን ክርእየኦ ኣለውን" ይብል።

ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብዛ ኣህጉር ተመዝጊብይ ኣሎ።