እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ መውጽኢ ስኢኖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታታ ክተግዕዝ እያ
ህንዲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መውጽኢ ስኢኖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታታ ንምግዓዝ፡ ሰፊሕ ቅድመ ምድላው ተካይድ ኣላ።
ካብ 7 ክሳብ 13 ጉንበት ድማ፡ 64 በረራታት ብምክያድ፡ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ከምትመልሶም ኣፍሊጣ።
ከም ሓበሬታ ሚኒስትር ሲቪል ኣቪየሽን ህንዲ ሃርዲፕ ፑሪ፡ ኣብቲ ፈላማይ ሰሙን ጥራይ ናብ 12 ሃገራት በረራታት ብምክያድ፡ 15 ሽሕ ህንዳውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም።
ናብ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሲንጋፖር፣ ኳታርን ማሌዥያን ሓዊሱ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት በረራታት ብምክያድ እያ ዜጋታታ ክተግዕዝ ትዳሎ ዘላ።
ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ህንዳውያን ድማ፡ ናይ ጉዕዞ ክፍሊት ባዕሎም ክሽፍኑ ግድን እዩ።
ዝኾነ ዓይነት ምልክት ኮሮናቫይረስ ዘየርኣዩ ዜጋታት ጥራይ ናብ ህንዲ ከምዝግዕዙ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ምስ ተመለሱ ድማ ዳግማይ ምርመራ ብምክያድ ከምዝውሸቡ ተገሊፁ።
ካብ ብነፈርቲ ዝግበር ምግዓዝ ብተወሳኺ፤ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ናይታ ሃገር እውን ኣብዚ ወፍሪ ክሳተፋ እየን።
ኣብ መፈለምታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ ማልዲቭስን ሕቡራት ኢማራትን ዝነበሩ ዜጋታት ንምግዓዝ ሰለስተ መራኽብ ተዋፊረን እየን።
ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር፡ በዚ ገዚፍ ወፍሪ ኣስታት 200 ሽሕ ህንዳውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ትፅቢት ይግበር።
እዚ እንተድኣ ተዓዊቱ ድማ፡ ካብ 1990 ንነዘ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ምግዓዝ ዜጋታት ክኸውን እዩ።
ህንዲ ኣብ እዋን ኲናት ወሽመጥ፡ ካብ ኩዌት 170 ሽሕ ዜጋታታ ኣግዒዛ ነይራ።