ቦሪስ ጆንሰን፡ ዶኳትሩ ‘ዓሪፉ’ ዝብል ዜና ንምግላጽ ተዳልዮም ከምዝነበሩ ተዛሪቡ

ቦሪስ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቑ ኣብ ዝነበረሉ፡ ዶኳትሩ ሞይቱ ዝብል ዜና ንምግላጽ ምድላዋት ገይሮም ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብቲ ሎሚ ምስ "ዘ ሳን" ዝተብሃለ ዓብዪ ጋዜጣ ብሪጣንያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት እዩ 'እንተሞይቱ እንታይ ክግበር ኣለዎ' ዝብል መሐለውታ መደብ ከምዝነበረ ተዛሪቡ ዘሎ።

ብኮሮናቫይረስ ሓሚሙ፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወቱ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቑ ከምዝነበረ'ውን ገሊጹ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ቅድሚ 10 መዓልቲ ካብቲ ሕማም ሓውዩ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።

'ዕድለኛ እየ'

ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝርከብ፡ ሆስፒታል ሴንት ቶማስ ፡ ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት ናይቶም በዚ ሕማም ዝሳቐዩ ካልኦት ሰባት የሻቕሎ ከምዝነበረን፡ ናይታ ሃገር ዕጫ'ውን የሕስቦ ከምዝነበረን ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓካይሙ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ህይወቱ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ምዃኑ ምስረአዩ፡ ብዙሕ ሊትራት ኦክሲጅን [ኣየር] ክወስድ ከምዝገበርዎ'ውን ተዛሪቡ።

በዓልቲ ቤቱ ን ቦሪስ ጆንሰን፡ ኬሪ ሲሞንድስ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዝተወልደ ሕንጣይ ወዶም፡ ዊልፍሬድ ላውሪ ኒኮላስ ጆንሰን ዝብል ስም ከምዝተውሃቦ ኣብ ትዊተራ ጽሒፋ።

እቲ ህጻን፡ ናይ ኣቦሓጎኡን ንቦሪስ ጆንሰን ናይ ዝሓከሙ ዶኳትር ኣስማት ኣጠሚሩ እዩ ሒዙ።

በዓልቲ ቤቱ ንቦሪስ ጆንሰን ኬሪ ሲሞንድስ

ምንጪ ስእሊ, Carrie Symonds

መግለጺ ስእሊ, በዓልቲ ቤቱ ንቦሪስ ጆንሰን ኬሪ ሲሞንድስ

እቲ ሕንጣይ፡ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ሕማም ኮሮና ሓውዩ ካብ ሆስፒታል ምስ ወጽኣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እዩ ተወሊዱ።

ዓብዪ ሓጎስን ፌስታን ድማ ፈጢሩ።

ቦሪስ ጆንሰን ኩነታት ጥዕንኡ ናብ ሕማቕ የምርሕ ከምዘሎ ምስፈለጠ፡ ብዙሕ ተሻቒሉ ከምዝነበረ እዩ ነቲ ጋዜጣ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ" ምስ በለ፡ "ካብዚ ከመይ ገይርካ ብህይወት ይትረፍ ኢለ ንባዕለይ ይሓትት ነይረ" ኢሉ።

መጋቢት 26 ኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ዝተነግሮ ቦሪስ ጆንሶን፡ ድሕሪ 10 መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ናብ ፈሉይ ክትትል ሕክምና ዝግበረሉ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ተሰጋጊሩ።

"ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፡ ጥዕናይ ናብ ሕማቕ ኩነታት ምውዳቑ ኣይኣመንኩን ነይረ" ኢሉ።

ነቶም ክትትል ገይሮም ክድሕን ዝገበርዎ ዶኳትር ድማ ኣመስጊኑ።

ብዙሓት በቲ ሕማም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ኣዘኪሩ፡ "ብህይወት ምትራፈይ ዕድለኛ እየ" ኢሉ።

ኮሮና
Banner