ቢልዮነር ዋረን ቡፌት ኣብ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ንዝነበሮ ብርኪ ሸይጥዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቢልዮነር ኣመሪካዊ በዓል ሃብቲ ዋረን ቡፌት፡ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ገንዘቡ ኣውፊሩ ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ።
ሕዚ ግን፡ ትካሉ በርክሺር ሃታወይ፡ ኣብ ኩሎም መገድታት ኣየር ኣመሪካ ንዝነበሮ ብርኪ ከምዝሸጠ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብዛዕባ'ዚ ክዛረብ እንከሎ፤ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫረይስ "ዓለምና ተቐይራ እያ" ኢሉ።
ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ገንዘቡ ምውፋሩ ጌጋ ምንባሩ'ውን እቲ በዓል ሃብቲ ተዛሪቡ።
ዋረን ቡፌት ነዚ ዝበለ፡ ትካሉ ትካሉ በርክሺር ሃታወይ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ዓመት፡ ተራእዩ ዘይፍለጥ 50 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
እዚ ትካል፡ ኣብ መገዲ ኣየር ዴልታ 11 ምኢታዊት ብርኪ፣ ኣብ መገዲ ኣየር ኣመሪካ 10 ምኢታዊት ብርኪ፣ ኣብ መገዲ ኣየር ሳውዝዌስት 10 ምኢታዊ ትብርኪ፣ ከምኡ ድማ ኣብ መገዲ ኣየር ዩናይትድ 9 ምኢታዊት ብርኪ ነይርዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋረን ቡፌት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘፈር መጓዓዝያ ኣየር ኢዱ ከየእተወ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ኣብ 2016 እዩ ገንዘቡ ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ከውፍር ጀሚሩ።
"ኣብ መጻኢ'ውን ገንዘብ ክበልዕ እዩ ኢልና ኣብ እንሓስቦ ኩባንያ ገንዘብና ኣይነውፍርን" ኢሉ እቲ ቢልዮነር።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ መገድታት ኣየር ኣመሪካ ዳርጋ ወዲቐን እየን ዘለዋ። ብኣማኢት ኣሸሓት ዝግመት በረራታት ተቛሪጹ፤ ብኣሸሓት ዝቑጸራ ነፈርቲ ድማ ዓዲ ውዒለን ኣለዋ።
መገዲ ኣየር ዴልታ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ መሸጣ ብርኪ ዋረን ቡፌት ኣፍልጦ ከምዘለዎን ንቡፌትን ትካሉን'ውን "ልዑል ክብሪ" ከምዘለዎን ድሕሪ ምግላጽ፤ እቲ መገዲ ኣየር ሕዚ'ውን እንተኾነ ኣብ ጥንካረታቱ ርእሰ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







