እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ: ኣሜሪካ 'ረምደሲቪር' ከም መድሃኒት ኮቪድ-19 ክውዕል ፍቃድ ሂባ
በዓል መዚ ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ረምደሲቪ ዝተብሃለ መድሃኒት ኣብ ህጹጽ እዋን ከም መሐከሚ ኮቪድ-19 ክውዕል ኣፍልጦ ከምዝሃቦ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።
ነዚ መድሃኒት ጂለድ ዝተበሃለ መፍረ መድሃኒት ከምዝሰርሖ ዝሓበረ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ መፍረ መድሃኒት፡ በዓል መዚ ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ንመድሃኒቶም ፍቃድ ምሃቡ ዓቢ ዝላ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ መፍረ መድሃኒት 1.5 ሚልዮን ብልቃጥ ረምደሲቪር ከምዘወፊ ምግላጹ'ውን ትራምፕ ሓቢሩ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ'ውን ምክፍፋል እቲ መድሃኒታት ካብ ሰኑይ ከምዝጅምር ገሊጹ።
እቲ መድሃኒት መጀመርታ ንመፈወሲ ኦቦላ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ብመንገዲ ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም ተፈቲኑ ኣብ ቀዳማይ ፈትንኡ ካብ 15 ክሳብ 11 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ከምዘጥፈአ ተሓቢሩ።
እንተኾነ ተመራመርቲ ቻይና ውጽኢት እዚ መድሃኒት ኣብ ምልክት ሕቶ'ዮም የእትየሞ ዘለዉ።