ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, @AbiyAhmedAli

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሎሚ ንጉሆ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝገሸ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።

መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ንክልተ መዓልቲ ኣኼባ ንምክያድ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

"ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት፣ ኣንጻር ኮቪድ-19 ከምኡ'ውን ኣንጻር ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝግበር ቃልሲ ብዝምልከት፣ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ክዝትዩ እዮም" ኢሉ።

ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ኣማኻሪኡ የማነ ገብረኣብን፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን እዩ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

ቅድሚ እዚ፤ ክልቲኦም መራሕቲ ብወግዒ ዝተራኸቡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ እዋን፤ እቶም መራሕቲ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ከምዝፈጸሙ እንተተገለጸ'ኳ፤ ዝርዝር ናይቲ ስምምዓቶም ግን ብዝርዝር ኣይተገለጸን።

ብተመሳሳሊ፤ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካብን ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሱ ዝተራኸቡ ኮይኖም፤ ስምምዓት እውን ፈሪሞም እዮም።

እንተኾነ እቲ ስምምዓት ብንጹርን ብዝርዝርን ዛጊት ኣይተገልጸን ዘሎ። መገሻታቶም'ውን "ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር" ካብ ዝብል ሓጺር መግለጺ ዝዘለለ መብርሂ ክወሃበሉ ኣይረኣይን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍጻሙ፤ ኣብ 2018 ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ዜጋታት ካብን ናብን ብፍኑው ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ነይሮም።

እንተኾነ እቲ ዶባት፡ ኣብዚ እዋን ዕጹው እዩ ዘሎ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ጥሪ 2020 ጀሚሩ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ዘአንግደሉ መስርሕ ብዘይወግዓዊ መገዲ ቀይርዎ እዩ ምባሉ ይዝከር።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፤ ነዚ ብዝምልከት ዝተውሃበ ዝኾነ መልሲ የለን። ኢትዮጵያ ነዚ መስርሕ ዝቐየረትሉ ምኽንያት እውን ዛጊት ኣይገለጸትን።

ስለዝኾነ ድማ፤ እቲ ኣብ ምቕባል ስደተኛታት ኤርትራ ዝተርኣየ ለውጢ መስርሕ፤ ምስ ምምሕያሽ ርክብ ክልቲኦም መንግስታት ዝራኸብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝተገለጸ ነገር የለን።

ቅደም ክብል፡ ካብ ኤርትራ ሰጊሮም ንዝኣትዉ ኩሎም ስደተኛታት ከዕቁብ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ግን ብዙሓት በይኖም ዝሰገሩ ኤርትራውያን ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት ከይተመዝገቡ ኣብታ ሃገር ኣብ ጸገም ክምዝርከቡ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ ኢትዮጵያ ነዞም ሓተትቲ ዑቕባ ኣይምዝግብን ምባላ፡ እቶም ስደተኛታት ናብቲ ዝሃደምዎ ሕማቕ ኩነታት ክምለሱ ዘገድድ እዩ ብምባል፡ ንተግባር ኢትዮጵያ "ንዓለምለኻዊ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስ እዩ" ክብል ነቒፍዎ ነይሩ።

ጉዳይ ናይዞም ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን ከተማታትን ዶባት ዝቕበሎምን ዝምዝግቦምን ስኢኖም ተጨኒቖም ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሻቕል ከምዝኾነ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኮሮና