'ኮሮናቫይረስ ጉያ ሓጺር ርሕቐት ዘይኮነስ ማራቶን እዩ' ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስዊድን

ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስዊድን፡ ኢዛቤላ ሎቪን
መግለጺ ስእሊ, ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስዊድን፡ ኢዛቤላ ሎቪን

ሃገረ ስዊድን፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዘንበረቶም ክልከላታትን እገዳታትን ልሕልሕ ዝበሉ እዮም።

ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ስዊድን፡ ኢዛቤላ ሎቪን ነዚ ብዝምልከት ምስ ቢቢሲ ቃለመሕተት ገይራ ነይራ።

እቲ ለበዳ "ጉያ ሓጺር ርሕቐት ዘይኮነስ ማራቶን እዩ" ክትብል ድማ ገሊጻቶ።

ነቲ 'ስዊድን ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ጥቡቕ ስጉምትታት ኣይወሰደትን' ዝብል ድማ፡ ካብቲ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ ክትብል ተዛሪባ።

እታ ሃገር፡ ልዕሊ 50 ሰባት ከይእከቡ ከልኪላ እያ። ናብ መጠወሪ ኣረጋውያን'ውን ሰባት ከይኸዱ እገዳ ኣንቢራ እያ።

ስዊድን ምስ ካልኦት ናይ ስካንዲኒቭያን ጎረባብታ ክትነጻጸር እነንከላ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ መጠን ሞት ልዑል እዩ።

ኣብ ስዊድን 2,000 ሰባት በቲ ሕማም ዝሞቱ ኾይኖም፡ ኣብ ኖርዌይ ግን 193 ሰባት ጥራይ እዮም ሞይቶም።

ኢዛቤላ ከምዝበለቶ "ከምዝመስለኒ፡ ነፍሲወከፍ ሃገር ናታ ስጉምትታት እያ ክትወስድ ዘለዋ። እንተኾነ፡ እቲ ስጉምትታት ኣዝዩ ጥቡቕ እንተኾይኑ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእልዶ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ክሳብ ክታበት እንረክብን እቲ ለበዳ ክሳብ ዝውዳእን፡ ሰባት ነቲ ኣድላዪ ዘበለ መምርሕታት ዘይክኽተልዎ ይኽእሉ እዮም" ኢላ።

"ዓቕምና ብሓደ ግዜ ክንጽንቅቕ የብልናን" ዝብል መልእኽቲ ዘሕለፈት እታ ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ እቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጉያ ሓጺር ርሕቐት ዘይኮነስ ማራቶን እዩ' ኢላ።

ኮሮና