ብኮሮናቫይረስ ሞይተን ዝተባሃላ ጓል 74 ዓመት በህይወት ተረኺበን

ኣብ ኢኳዶር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምሟተን ዝተገለጻ ጓል 74 ዓመት ሰበይቲ ብህይወት ተረኺበን።

እተን ኣልባ ማሩሪ ዝበሃላ በዓልቲ ጸጋ ዕድመ፡ ሓያል ረስኒን ጸገም ምስትንፋስን ምስኣጋጠመን እየን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሆስፒታል ኣትየን።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ድማ፡ ከምዝሞታ ተገሊጹ።

እቲ ሆስፒታል ድማ፡ ቤተሰብን ንሬሰአን ብርሕቐት ክርእይዎ እዩ ገይሩ። ምኽንያቱ ድማ ምትንኻፍ ከይህሉ ብዝብል።

ወዲ ሓፍተን ንሬሰአን ምስረኣየ፡ ሓትንኡ ከምዝኾና ኣሚኑ ከምዝነበረ ይዛረብ።

"ገጸን ንምርኣይ ፈሪሐ እየ ነይረ፤ ሓደ ሜትሮን ፈረቓን ርሒቐ እየ ርእየየን፤ ጨጉረን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ" ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ብመሰረት እቲ ባህሊ ኣስከሬነን ክቃጸል ተገይሩ፡ ናተን ምዃኑ ዝተገለጸ ሓሙኽሽቲ ኣካላተን ናብ ስድረአን ተላኢኹ።

እተንኾነ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበራ ሰበይቲ ናብ ውነአን ተመሊሰን ንሓካይም ስመን ተዛሪበን፤ ቁጽሪ ቴሌፎን ሂበን ድማ ናብ ሓፍተን ክድውሉለን ሓቲተን።

ተደዊሉ፤ ሓፍተን ነቲ ጻውዒት ኣልዒለንኦ።

ቤተሰበን፡ እቲ ዝተልኣኸ ሓሙኽሽቲ ናይ መን ምዃኑ እኳ እንተዘይፈለጡ፡ ዘይምሟተን ምስሰምዑ ብሓጎስ ዘለሉ።

ማሩሪ ብህይወት ተረኺበን ኣለዋ።

እዚ ከጋጥም ዝኸኣለ ድማ፡ ኣብ'ቲ ሆስፒታል ብዘጋጠመ ምትሕውዋስ መንነት ናይ ሰባት ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ሆስፒታል ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ጻዕቕን ምጽባብን እቲ ጌጋ ከምዝተፈጠረ ብምግላጽ ይቕረታ ሓቲቱ'ሎ።

ስድራ ናይተን ሰበይቲ ግን፡ ንምቅጻል ናይቲ ዘይፈልጥዎ ሬሳ ንዘውጽእዎ ወጻእታትን ነቲ ዝተፈጠረ ጌጋን ካሕሳ ክኽፈሎም ሓቲቶም።

ኢኳዶር ብሕማም ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብታ ሃገር ዛጊድ 22 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ ኣስታት 600 ሰባት ድማ ሞይቶም።