እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመንቲ ምስልምና ኤርትራ ሰላት ረሞዳን ኣብ ገዝኦም ከካይዱ ተኣዚዞም
ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ኣመንቲ፡ ሰላት ረሞዳን ኣብ ገዝኦም ከካይዱ ጸዊዑ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘገደዶ ዕጽዋን ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ንሃማኖታዊ ብዓላትን ጽምብላትን ጸልዩዎ ይርከብ።
ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኣመንቲ ክርስትና፡ ዝሓለፍዎ ዕጹው ናይ ጾምን ጸሎትን ቅንያት፡ ተኸተልቲ እስልምና'ውን፡ ኣብዚ ዝጅመር ዘሎ ጾም ረሞዳን፡ ኣብ ገዛውቶም ክጽልዩ ኣገዲድዎም ኣሎ።
ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ "ብግዝያዊ መልክዕ ብሃገር ደረጃ መሳጊድን ጀዋምዕን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ…. ኣስጋእነት ናይ'ቲ ሕማም ተኣልዩ ብዝምልከቶ ኣካል መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ፡ ከምዘለዎ ጸኒዑ ክቕጽል'ዩ" ዝብል መምርሒ ሂቡ።
"ሳላት ተራዊሕ ኣብ መሳጊድን ጀዋምዕን ኣይክስገድን'ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ምስ ስድራኡ ብጀምዓ ክሰግድ ይኽእል"
ኤርትራ ኣዊጃቶ ዘላ ናይ ዕጽዋን ካልኦት እገዳታትን፡ ንዘይተወሰነ እዋን ክቕጽል ምዃኑ ትማሊ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ንዊሕ እዋን ዝተቐልቀለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ "ብዘይካ ምርጋጥ ምሕያል፡ ካልእ ሕርያ የብልናን" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዕጽዋ "ክሳብ ለበዳ ብዘተኣማምን ዝበንን" ከም ዝጸንሕ ተዛሪቡ ነይሩ።