ካብ መዘክር ዶኳትር፡ ቅድሚ ሰዓታት ሞቱ ዝተመርዓወ ተሓካሚ ኮሮናቫይረስ

ፕሮፌሰር ጆን ራይት፡ ኣብ ብራድፎርድ ሮያል መእለዮ ሕሙማት ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ቅድሚ ሰዓታት ሞቱ ዝተመርዓወ ተሓካሚ ኮሮናቫይረስን፡ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወዳ ምስ ኣዲኣ ገዲፋ ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ትቃለስ ዘላ ነርስን ሰዲድልና ኣሎ።

20 ሚያዝያ 2020-እዋኑ እዋን ፍርሕን ሞትን፡ እዋን ጽምዋን ምፍልላይን'ዩ ዝመስል። ወይለይ እዋን ዓቐን ዝሓለፎ ፍቅሪ ኸኣ'ባ!

ሶፊ ብርይን ሚልስ ሓዳሽ ነርስ'ያ፡ ሰዓታት ስርሓ ናይ ለይቲ'ዩ።

እትው ምስ በለት ከኣ፡ ሓደ ካብቶም ተኣለይቲ ሕሙማት፡ መንእሰይ ኮይኑ፡ ዝተሓላላኸ ኩነታት ጥዕና ዘለዎን ብኮቪድ-19 ዝጥርጠርን ምዃኑ ተገሊጽላ፡ ተስፋ ዘለዎ'ኳ እንተዘይኮነ እኹል ምክትታል ክትገብረሉ ኸኣ ካብቲ ተረኛ ዝነበረ ዶክተር ተነገራ።

ናብቲ ዝተበሃለቶ ዓራት ምስ ቀረብት ግን እቲ ኣብ ዓራት ተገምብዩ ዝነበረ፡ ሓደራ ዝተበሃለትሉ ሕሙም፡ ናይ 15 ዓመታት ሕጹያ ምኳን ምልላዩ ኣይጸገማን፡ ኣኹል ገንዘብ ስለዘየዋህለሉ'ዮም ዘይተመርዓዉ'ምበር ኣዝዮም እዮም ዝፋቀሩ።

ሕጂ ኸኣ ሓካምን ተሓካምን ኮይኖም፡ ሞት ኣብ ሞንጎኦም ኮይኑ ሴፉ ይስሕል ኣሎ።

ንሞት ዝስዕርሉ ሓሳብ ግን ኣብ ኣእምሮ ሶፊ ብልጭ በለ።

ሶፊ ነቲ ናይቲ ሆስፒታል ቀሺ ጆ ፌልደር ጸዊዓ ቃል ኪዳን ከእስሮም ዝኽእል እንተኾይኑ ተወከሰቶ።

ቀሲ ጆ፡ ሕጋዊ ቃል ኪዳን ከእስሮም ስልጣን ከምዘይብሉ እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ቃል ኪዳን ዝግበር ክፍጽመሎም ከምዝክእል'ዩ ንሶፊ ሓቢርዋ።

ቀሺ ጆ፡ ብመሰረት ቃሉ " እንተሓመመ እንተጸመመ ከይጠልሞ፡ እንተሓመመት እንተጸመመት ከይጠልማ" ኢሉ ኣመሓሒልዎም።

መርዓት ብልሳና፡ መርዓዊ ርእሲ ብምንቅናቅ መሓሉ።

ቀሺ ጆ ባዕሉ ካብ መጠቕለሊ ተሰባሪ ነገር ዝኮነ 'ፎይል' ሰሪሑ ዘምጽኦ ቃለቤት ጌሩ ኸኣ ቃል ኪዳን ኣእሲርዎም።

ጓሎም ነዞም ቃል ኪዳን ዝኣስሩ ኸኣ ናብቲ ሕክምና ክትኣቱ ስለዝይፍቀዳ ነቲ ስነ-ስርዓት መርዓ፡ ብመንገዲ መተግበሪ 'ፌስ ታይም' ብቀጥታ ከምእትከታተሎ'ዩ ተገይሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መርዓ መሳርሕቲ ሶፊ ጋውን ናይሕክምና ጌረን፡ መርዓዊ ከኣ ንምሉእ ገጹ ዘርኢ ማስክ ጌሩ'ዮም ኣካይደሞ፡ እቲ ኩነታት ንባድላን ቬሎን ዘፍቅድ ኣይነበረን።

መርዓውን መርዓትን ብሞባይል ተሳኢሎም፡ ድሌት ሶፊ'ውን እዚ'ዩ ነይሩ፡ እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ን15 ዓመታት ዝተወንዘፈ መርዕኦም ሞት ከይቀደሞም ምቕዳም።

ኩሉ ንጥፈታት ብንብዓት'ዩ ዝስነ ነይሩ።

ሕጹያ ውሑዳት ናይ ምንባር ሰዓታት ከምዝተረፈኦ ብሞያኣ ተሓጊዛ ፈሊጣቶ'ያ።

ሕጂ ግን ብውሕዱ ኣብ ኣእምሮ ክልቲኦም ዝተርፍ፡ ንነዊሕ ዝሓልምዎ ዝነበሩ ተዘክሮ ኣለዎም፡ ሞት ከም ኣዳም!

መርዓዊ ገለ ክብል ይፍትን ነይሩ፡ትንፋስ ይሓጽሮ ስለዝነበረ ግን ፍረ ቃል ከውጽእ ኣይከኣለን።

እዚ ጽሑፍ ንሕትመት ክዳሎ እንከሎ፡ መወስኽታ ዝኸውን ካብ መርዓትን ጓላን ቃል ደሊና ነይርና፡ ኣብ ውዑይ ሓዘን ስለዝነበራ ግን ኣይተኻኣለን።

መርዓዊ ድሕሪ ሰዓታት መርዕኡ ህይወት ሓሊፋ።

መዘክር ካብ ቅድመ ግንባር ዘለዉ ሓካይም

ፕሮፌሰር ጂን ራይት፡ ኣብ ትካል ብራድፎርድ ተመራማሪ'ዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሕማም ሸሮክ፡ ኤችኣይቪን ኢቦላን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕተ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምምጻእ ምርምራት ኣካይዱ።

ኣብ መዘክሪ ዘስፍሮም ጽሑፋት ኸኣ ወትሩ ንቢቢሲ ምስ ኣካፈለ'ዩ።

ጀኒ ማርሻል ሃማድ ሓላፊት ናይ ሓደ ዋርድ እያ፡ በተን ኣብ ትሕቲኣ ዝሰርሓ ነርስታት ኸኣ ወትሩ ምስ ተነየተት'ያ፡ ዘነይታ'ውን እየን።

ንሰብ ካብ ሞት ከድሕና፡ ምስ ሞት ዝገጠማ ሓካይም፡ ንሰን'ውን ከም ሰበን ትንፋስ እየን ሒዘን፡ ሓንቲ ካብ ኣባላት ጀኒ ማርሻል ሃማድ ደማ ሞት ኣሰኒፋታ።

ኣብ ምሉእ እቲ ጉጅለ ኸኣ ሓዘን ሰፈነ፡ እንተኾነ ኣይከም ኣብ ጀኒ ማርሻል ሃማድ።

ጀኒ፡ ንዘዲ ወዳ፡ ኣርባዕተ ዓመቱ ንኽመልኦ ሳምንታት ምስ ተረፎ ናብ ኣዲኣ ከተብጽሖ ክትከይድ እንከላ፡ ንቁሩብ መዓልታት ምስ ዓባዩ ክጸንሕን ንሳ ብስራሕ ከምእትገይሽን'ያ ነጊራቶ፡ ንሱ ኸኣ ኣሚንዋ።

ኣዲኣ ንጀኒ ብርቱዕ ሕዱር ሕማም ኣለዋ፡ ጓላን ብጾታን ኸኣ ኣንጻር ኮቪድ-19 ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይነን ነቲ ቃልሲ ይቅልሰኦ ኣለዋ።

ካብ መሳርሕታ በቲ ሕማም ዝተለኸፋ ስለዘለዋ፡ ንሳ'ውን በቲ ሕማም ከይትልከፍ'ሞ ነቲ ሕማም ሒዛቶ ናብ ኣዲኣን ወዳን ከይትከይድ'ዩ ስክፍታኣ፡ ነዚ ንምውጋድ ኸኣ መውዓሊኣን መሕደሪኣን ኣብቲ ሕክምና ገይራቶ።

ጀኒ፡ እዚ ምግባር ድርብ ረብሓ ከምዘለዎ'ያ ትሕብር።

"ጥዕና ስድራይ ይሕሉ ኣለኹ፡ ኣብዚ ሞያ ኸኣ እቲ ካባይ ዝድለ ብምሉእ ግዜይ የተግብሮ ኣለኹ" ትብል።

እንተኾነ እዚ ዓቀን ዝሓለፎ መስዋእቲ'ዩ፡ ንዘዲ ወድኺ መዓስ ኢኺ ሕቁፍ ኣቢልኪ ትስዕምዮ ኢለ ምስ ሓተትክዋ ክድሚ ቃል ምምላቋ ንብዓት'ዩ ስዒርዋ።

ኣብ ኣደን ውላድን እሞ ድማ ኩሉ ክርዳእ ዘይእል ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ህጻን፡ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ከተተግብሮ ከቢድ እዩ፡ እዚ ናይ ጀኒ ተግባር ግን ኣካላዊ ምርሕሓቅ ንምትግባር ክሳብ ክንደይ መስዋእቲ ምኽፋል ከምዘድሊ እኹል ኣብነት'ዩ።

"ከይሰዓምኩን ካይሓቆፍኩን ኣዲቂሰዮ ኣይፈልጥን'የ ሕጂ ግን ብቴሌፎን ጥራይ ኮይኑ፡ ገጽ ንገጽ ከይተረኣኣና ከኣ ሰለስተ ሰሙን ጌርና"

". . . ንማማ ይመጽእ ምህላወይ ይሕብራ፡ ንሳ ከኣ ሕቁኡ ናብ ሞስኮት ገይሩ ኮፍ ከምዝብል ትገብሮ፡ ከይረኣየኒ ኸኣ ርእይ ኣቢለዮ ይምለስ፡ ንምንታይ ክንተሓቋቆፍ ከምዘይብልና ብቴሌፎን ደጋጊመ ምስ ኣረዳእክዎ ሕጂ ሓሓሊፍና ብኣካል ክንረአአ ክኢልና ኣለና"

ወዳ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ከይተተናኸፍካ ምውዓል ከቢድ ምንባሩ ኣንተኾነ፡ ኣብ ጫፍ ናይቲ ጀርዲኖም ብምኳን ብማዕዶ ኮይና ከምዝተዓዘበቶ ትገልጽ።

"ኣደይ ኣብ ሞንጎና ነይራ፡ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ምንጎ ኣደይን ኸኣ እኹል ምርሕሓቅ ነይሩ፡ ኣብ ቅድመይ መስመር ብምሕንጻጽ ካብዚ ምሕላፍ ከምዘይፍቀድ ጸወታ ኣምሲልና ኣረዲእናዩ፡ ንሱ'ውን ተረዲኡና ነታ መስመር ኣይሓለፋን"

" ኣደይ ንዘዲ ኣዴኻ ኣብ ሕክምና ንጽጉማትን ሕሙማትን እያ ክትሕግዝ ትውዕል ስለእትብሎ ብኣይ ሕጉስ'የ ምስ ኣደይ'ውን ጽቡቕ እዮም ዝሰማምዑ"።

ኣብ ድራድፎር ሮያል መእለዩ ሕሙማት ጀኒ ማርሻል ሃማድን ብጾታን ንሕሙማት ንምሕጋዝ ለይትን ቀጥርን ምስ ጸዓቱ'ዮም፡ ተስፋታት እውን ኣሎ፡ እዚ ቃልሲ ምዓስ መዕለቢ ከምዝረክብ ግን ኣይፈልጡን'ዮም፡ ዘዲን ወላዲቱን'ውን ማዕሪኡ ምዓስ ብኣካል ተራኺቦም ከምዝተሓቋቆፉ ኣይፈልጡን'ዮም።