'ታይፎይድ ሜሪ'፡ ምኽንያት መርመራ 'ሞትን ጸያፍ ስራሕን' ሓንቲ ከሻኒት ዝኾነ ሕማም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ዘበን፡ ርእሲ ማዕኸናት ዜና ዓለም ብዓለማዊ ቅልውላው ጥዕናን ሳይንሳዊ ወጥርን ዝተመልአ ክኸውን'ዩ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን።
ይኹን'ምበር፡ ዓለም ብኸምዚ ዓይነት ለበዳ ክትጭነቕን ትኹረት ህዝቢ ዓለም ኣብ ሓደ ነገር ጥራሕ ዘተኮረን ክኸውን ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ካብ 1918-1920 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተኸሰተ ሓያል ለበዳ 'ስፓኒሽ ፍሉ'፡ ካብ 17 ክሳብ 50 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ዓለም ቐቲ፤ ርብዒ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ድማ ሓሚሙ ነይሩ፤ ሓሊፉ።
ታሪኽ ከምዚኦም ዝበሉ ለበዳታት ክንግንጽል ከለና ግን፡ ካሊእ ፍሉይ ታሪኽ ንረክብ፤ 'ታይፎይድ ሜሪ' ብዝብል ይፍለጥ።
ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሓንቲ መንእሰይ ኣየርላንዳዊት ስደተኛ ኣብ ኒውዮርክ ከሻኒት ኮይና ትሰርሕ ነይራ።
ኣብቲ ግዜ ዝተኸሰተ ጨለውታ ግን፡ እዛ ህይወታ ክትቕይር ኢላ ዝተሰደደት መንእሰይ ብፈተነ ቕትለትን ጸያፍ ስራሕን ኣኽሲሱዋ።
ንሳ እትልለየሉ መግቢ
ገለ ዛንታ ሜሪ ዝሰምዑ፡ ንሳ'ኮ ግዳይ እያ እንክብሉ፡ ገሊኦም ግን ገበነኛ ምዃና ይኣምኑ።
ብርግጽ፡ ቐዳማይ ኲናት ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዘለው ዓመታት፡ ዛዕባ ሕማም ለበዳ ኣብ ኒውዮርክን መላእ ዓለምን መዘራረቢ ጉዳይ ክኸውን ገይራ እያ።
ሜሪ ማሎን ኣብ ኣየርላንድ ኪክስታውን ዝተብሃለ ቦታ ብ1869 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ተወሊዳ፤ ግን ድማ ሓድሽ ህይወት ንምርካብ ገና ቖልዓ እንከላ ካብ ኣየርላንድ ወጺኣ።
ብ1900 ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኒውዮርክ ኣብ ሓደ ገዛ ስድራ ሃፋትም ከሻኒት ኮይና ትሰርሕ ነይራ። ንሳ እትፍለጠሉ መግቢ 'ኣይስ ክሬም' ነይሩ ይብሃል።
ኣብቲ ግዜ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚሊዮን ዝጽግዑ ኣሜሪካውያን ዘቤታዊ ስራሕቲ ይሰርሑ ነይሮም፤ ከሻኒት ምዃን ማለት ድማ ክንዲ ንግስቲ ቤተ መንግስቲ ምዃን ማለት ነበረ።
ኒውዮርክ ብቐታሊ ሕማም ኣዕለቕሊቓ
ሜሪ ማሎን ኣብ ጽፉፍ ከባቢ ማንሃታን ትነብር ነይራ፤ ግን ድማ ነገራት ከም ቀደሞም ጽቡቕ ኣይነበሩን።
ካብ 1900 ክሳብ 1907 ሸውዓተ ኣባላት ስድራ ኣብ ዝነበሩዎ ገዛ ከሻኒት ኮይና ሰሪሓ፤ ኩሎም ግን ሓደ ብሓደ ሞይቶም ወይ ሓሚሞም።
ሜሪ፡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ከይዳ ስራሕ ንምርካብ ዘይትጽገም ሰብ ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ኦስተር በይን ሓምሻይ ጎደናን ዝነበሩ ሃፋትም ኣስራሕታ በዚ ኣዝዮም ሰንቢዶም።
ጨለውታ፡ እቲ ዝቐትሎም ሕማም እዩ ነይሩ። እዚ ሕማም ቐልጢፉ ኣብ ኒውዮርክ ድኻታት ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት ፋይቭ ፖይንትስ፣ ፕሮስፔክት ሂልስ ተዛመተ።
ሓደ ካብ ኣባል ስድራ ሜሪ ማሎት እትሰርሐሉ ገዛ፡ ጆርጅ ሶፐር ዝተብሃለ መርማሪ ቖጸረ። እዚ ሰብ፡ ፍዳ ዝተረፈ ህይወት ሜሪ ዝኾነ ሓበሬታ ነቲ ስድራ ኣበጀወ።
ሜሪ፡ ሓደ መዓልቲ እንትጸናጸና ፋርኬታ ኣልዒላ ካብ ጥቕኣ ክርሕቕ ስለ ዝገበረቶ፡ እቲ ጸገም ካብዚ እዩ ዝጅምር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሽዑ፡ 'ንዓይ ኣጥቂዑኒ ዘይፈልጥ ሕማም ናብ ካልኦት ከሕልፍ ኣይኽእልን ኢላ' ምባላ ምኽንያታዊ ክኸውን ይክእል እዩ።
ግን ድማ ሚስተር ሶፐር ምልክት ሕማም ዘይብሉ ረስኒ ታይፎይድ ኣለዋ እዩ ኢሉ።
ንሳ በዚ ሕማም ክትጥቃዕ እንተዘይክኣለት'ውን ናብ ካልኦት ግን ከተመሓላልፎ ትኽእል እያ።
ሜሪ ማሎን ነዚ ክትርድኦ ኣይክኣለትን።
ሰበ ስልጣን ኒውዮርክ ግን በዚ ዓቕሎም ጸቢቡዎም ስለ ዝነበረ፡ ብ1907 ሜሪ ካብ ኒውዮርክ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ደሴት ኖርዝ ብራዘር ወሲዶም ንበይና ፈልዮም ኣቐመጡዋ።

ረስኒ ጨለውታ እንታይ'ዩ?
- ረስኒ ጨለውታ፡ ብሓያል ተላባዒ ንመግቢ ዝምርዝ ዓይነት ጀርም ታይፎይድ ዝለዓል ኮይኑ ብዝተበከለ መግብን ማይን ይመሓላለፍ
- እዚ ትሑድ ውልቀ ጽርየትን ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣብ ዘለወን ሃገራት ይኽሰት
- ዓመታዊ ካብ 11 ክሳብ 20 ሚሊዮን ዝጽግዑ ሰባት በዚ ሕማም ይልከፉ፤ ካብ 128 ሽሕ ክሳብ 161 ሽሕ ሰባት ድማ ይሞቱ።
- ነዚ ሕማም ዝከላኸሉ ክልተ ክታበታት ኣለው
ደሴት ኖርዝ ብራዘር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ሰብ ዘይነብረሉ ናይ ኣዕዋፍ ከባቢ እዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን፡ ብበደዶ (Smallpox) ዝተጠቕዑ ሰባት ንክውሸብሉ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ካልኦት ተውሽቦ ዘድልዮም ሕማማት ንዘጋጠሞም ሰባት'ውን ተፈልዮም ዝቕመጥሉ ከባቢ እዩ ነይሩ።
ሕጂ ኾይንካ ክትሓስቦ ከለኻ፡ እዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዘጓነየ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ ክመስል ይኽእል'ዩ።
ግን ድማ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ክታበት ቅድሚ ምምሃዙ ተላባዕቲ ሕማማት ክትከላኸለሉ እትኽእል ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን።
ቻርተር ኒውዮርክ፡ ሓለፍቲ ስራሕ ጥዕና ሕሙማት ተፈልዮም ናብ ዝጸንሕሉ ቦታ ክወስዱ ዘፍቅደሎም ስልጣን ዝሃበ'ዩ ነይሩ።
በዚ መሰረት ሜሪ ማሎን፡ ንብሕታ ኣብዚ ቦታ ክትፍለ ተገይሩ። ጉዳያ ብሕጊ ንክርአ ብምሕሳብ፡ ንጠበቕኣ እዚ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ነገር ፍትሓዊ ከም ዘይኮነ ተብርሀሉ።
![ሜሪ ሃሎን [ካብ የማን ኣብ ራብዓይ መስርሕ] ኣብ ተውሽቦ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/173B8/production/_111806159_f1c1b94f-084c-4833-8018-151b8d04105a.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Alamy
"ክትኣምኖ ዘጸግም ይመስል" በለት። "ኣብ ውሽጢ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ሓንቲ ዓርሳ ክተከላኸል ዘይትኽእል ጓል ኣንስተይቲ ከምዚ ገይርካ ክትሕዝ ዝገርም'ዩ"።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ዳግም ከሻኒት ኮይና ከም ዘይትሰርሕ ቃል ብምእታው ካብቲ ተነጺላ ዝጸንሐትሉ ቦታ ዘውጽኣ ናጽነታ ኣረጋገጸት።
ጎብለል ጋዜጣ ዊልያም ሂርስት ጉዳይ 'ታይፎይድ ሜሪ' ከመይ ጸብጺቡዎ
ንፈለማ እዋን ጉዳይ ሜሪ ማሎን ብጋዜጠኛ ዊልያም ሮናዶልፍ ሂርስት'ዩ ኣብ ጋዜጣ ተጻሒፉ።
ንሱ፡ ኩሉ ጽሑፍ መንበብቲ ኣንቢዑ፡ "ፈጣሪ ሆይ!" ኢሎም ካብ ወንበሮም ዘተስእ ክኸውን ኣለዎ ይብል ነይሩ።
ጋዜጠኛ ሂርስት ፍሉይ ጽልዋ ፈጣሪ ኣሕታሚ'ዩ ነይሩ፤ ብ20 ሰነ 1909 ድማ ንፈለማ እዋን ዛንታ ሜሪ ማሎን ኣብ ጋዜጣ ሓቲሙዎ።
ንሱ ዝገበሮ ሓገዝ፡ ዳርጋ በዓል ክልተ ጫፍ ሰይፍ ነይሩ።
ሓደ፡ በቲ ኣብ ጋዜጣ ዝወጽአ ዛንታ ኣቢሉ ሜሪ ማሎን ሰብ ክፈልጣ ብምግባሩ፡ ሜሪ ገንዘብ ረኺባ ጠበቓ ክትቖጽር ኣኽኢሉዋ።
ገለ ወጻኢታታ'ውን ከይኸፈለ ኣይተርፍን። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሪፖርተራቱ ኣብ ጽሑፍ ዝተጠቐሙዎ 'ታይፎይድ ሜሪ' ዝብል ሳጓ ግን ንዝተረፈ ዕድሚኣ ለጊቡዋ ተሪፉ።
መሪር ህይወት ድሕሪ ናጽነት
ሜሪ ማሎር ድሕሪ እዚ፡ ሰራሕተኛ ንኡሽቶ ቤት ሕጽቦ ኮይና ክትሰርሕ ጀሚራ።
ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ፡ ሽማ ቐይራ ነቲ ሚሒላ ዝገደፈቶ ስራሕ ምኽሻን ተመሊሳ ኣተወቶ። ኣብ ሓደ ሆስፒታል ድማ ከሻኒት ኮይና ክትሰርሕ ስራሕ ረኺባ ኣትያ።
እንተኾነ፡ ኣብዚ ሆስፒታል ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ብፈተነ ቕትለትን ምሕማምን መርመራ ክግበረላ መዝገብ ተኸፈተ።
ሜሪ፡ ኽንደይ ንዝኣክል ሞት ተሓታቲት እያ ዝብል ዝፍለጥ ነገር የለን። 50 ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዝገልጹ ሓበሬታታት ግን ነይሮም።
ብ1915 ከምዚ ዓይነት መርመራ ኣብ ልዕሊኣ ክጅመር ከሎ ግን ንስልኣ ድምጹ ዘስምዐ ጋዜጣ ኣይነበረን፤ ዝሓዝነላ ሰብ'ውን ከምኡ።
በዚ ምኽንያት ሜሪ፡ ንበይና ተፈልያ ናብ እትጸንሐሉ ቦታ ተወሲዳ ክሳብ 1938 ዓ.ም.ፈ ን23 ዓመታት ናይ ብሕታውነት ህይወት ኣሕለፈት። ኣብኡ ሞይታ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዛንታ ሜሪ፡ ዋላ'ውን ብዝግባእ ኣይረዳእኻ፡ ናይ ሕክምና ምኽርታት ግን ክትቕበል ከም ዘለካ ይምህር።
ግን፡ ስለ ምንታይ ንሳ እትልለየሉ መግቢ 'ኣይስክሬም' ንዛንትኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኾይኑ?
ባክቴሪያ ታይፎይድ፡ ኣብሲልካ ኣብ ዝስራሕ መግቢ ዝጠፍእ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝሑል መግቢ ግን ክጸንሕ ይኽእል'ዩ።
ከምዚ እንተዘይኸውን ነይሩ፡ ምናልባት'ውን ብዛዕባ 'ታይፎይድ ሜሪ' እንሰምዖ ታሪኽ ኣይምሃለወን ነይሩ።






![ኣዲል ኢል-ታያር [ብጸጋም] ኣግመድ ኢል-ሃውራኒ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7134/production/_111608982_1920-aa-promo-composite.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







