'ኣደይ ኣብ መዓልቲ ኣደታት ብኮሮናቫይረስ ስኢነያ'

ምንጪ ስእሊ, Ismail Moneer
ዓለማዊ መዓልቲ ኣደታት ክኽበር ሰሙናት ኣብ ዝተረፎ ጓል 34 ዓመት ኣያ (ስማ ዝተቐየረ) ኣብቲ ዕለት ንኣዲኣ እተቕርበላ ህያብ እንታይ ክኸውን ትሓስብ ነይራ።
ነዚ ግን ኣይተዓደለትን፤ ነዲኣ ኣብ ክንዲ ህያብ እተቕርበላ ክትቐብራ ተገዲዳ።
ኣዲኣ፡ ሓንቲ ካብ ሞንጎ'ቶም ኣብ ግብጺ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ቀዳሞት 10 ሰባት'ያ።
ንሰሙን ዝኣክል ብሕማም ደኺማ እንተቐነየት'ውን ኣያ ግን 'ኣደይ ብሞት ክትፍለየኒ እያ' ብዝብል ቀቢጻ ኣይትፈልጥን።
ዜና ሞት ኣዲኣ ምስ ሰምዐት ከመይ ከም ዝሓዘነትን ከም ዝሰንበደትን ትዝክር።
"ንሓወይ ይሕሱ ከምዘሎ ነጊረዮ። ምኽንያቱ ቅድሚኡ ደሓን ትኸውን ከምዘላ ሓቢሩኒ ነይሩ'ዩ" ትብል ኣያ።
"ናብ ገዛ ክትምለስ'ሞ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንዝኽበር በዓል ልደታ ምስ መዓልቲ ኣዲታት ብሓባር ክተኽበሮ ተስፋ ንገብር ነይርና" ክትብል ነቲ ኣብ ስድራ ዝነበረ ተስፋ ትገልጾ።
69 ዓመት ዕድመ ዝገበረት ኣዲኣ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ደጊማ ቅድሚ ምርመራ ምግባራ ኣብቲ ቀዳማይ ምርመራ ነጻ ተባሂላ ነይራ።
"ንመወዳእታ ግዜ ረኺበ ዘዘራረብኩላ መዓልቲ ሰሉስ'ያ ነይራ" እትብል ኣያ ነዲኣ ክትሰናበት ዘይምኽኣላ እቲ ኣዝዩ ከቢድ ፈተና ከምዝነበረ ትዛረብ።
ኣዲኣ አብ ዝዓረፈትሉ እዋን ድማ ኣብ መላእ ግብጺ ዝካየዱ ጸሎትን ካልኦት ምድላዋትን ተኣጊዶም ብምባሮም፡ ኩሎም መስጊዳት ተዓጽዮም ነይሮም።
በዚ ምኽንያት ከኣ ናይ ኣዲኣ ጸሎት ስርዓተ-ቀብሪ ኣብ ሆስፒታል ክካየድ ክኢሉ።
"ኣቦይ'ውን ነደይ ኣይተሰናበታን። ኣብ ቀብራ እንተተረኸበ'ኳ ንሰሙን ዝኣክል ግን ንገጻ ኣይረኣያን" ትብል።
ብድሕሪ ሞት ኣዲኣ ኣቡኣ'ውን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ብምርመራ ስለዝተረጋገጸ ናብ መወሸቢ ሆስፒታል ኣተወ።
ኣያ "ንሱ ክኸይድ ከሎ'ውን ኣብ መሬት ተደፊኤ ንብዓተይ ኣፍሲሰ" ክትብል ብሓዘን ብዝተሰበረ ኣንደበታ ነቲ ኩነታት ትገልጾ።
'ኣደይ ሰማእት እያ'
ራና ሳሚህ ነቶም ብሰንኪ እዚ ሕማም ዝፈትውዎም ኣባላት ስድርኦምን መቕርቦምን ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ናይ ዋትሳፕ ጉጅለ ከፈተት።
ዕላምኡ ድማ ኣስማት ናይቶም ብሞት ዝተፈለይዎም ብምግላጽ ብሓባር ጸሎት ንኽግበረሎም'ዩ።
ጓል 31 ዓመት መሃንዲስ ራና ነቶም ኣስማት ግዳያት ብማሕበራዊ ሚድያ እያ ተታኣኽኽቦ።
ገለ ስድራ ግዳያት'ውን እናረኸቡ ኣስማት ቤተሰቦም ኣብቲ ዝርዝር ንኽተእትዎ ይሓትዋ።
"መስጊዳት ተዓጽዮም ኣለዉ፤ ሰባት ድማ እናሞቱ እዮም። ናይ ስርዓተ ቀብሪ ጸሎት ከኣ ነዓና አገዳሲ እዩ" ትብል ራና።
ራና ነቲ ናይ ዋትሳፕ ጉጅል ብ24 መጋቢት [ኣ.ኣ] እንተኸፈተቶ'ኳ ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት በቲ መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ዝፍቀድ ብዝሒ ኣባላት ክመልእ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ፌስቡክ እውን ተመሳሳሊ ጉጅለ ተኸፊቱ እዩ።
እቲ ብ24 መጋቢት ዝተኸፈተ ጉጅለ አብ ውሽጢ 10 መዓልታት ቀልቢ 4,000 ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ስሒቡ።
ኣያ ከምእትብሎ እዞም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተኸፈቱ ጉጅለታት ንዝሞቱ ጸሎት ንምግባር ዕላማ እንተገበሩ'ውን ረብሕኦም ግን ካብዚ ዝሰገረ ኮይኑ'ሎ።
"ሞት ኣደይ ብፌስቡክ ካብ ዝፈለጡ ብዙሓት ዘይፈልጦም ሰበት ናይ 'ጽንዓት ይሃብኪ' መልእኽትታት በጺሑኒ። ራብዓይ ክፍሊ መማህርተይ ዝነበረ ሰብ ደዊሉ ሓዘኑን ኣዲኡ ዝተሰምዓ ሓዘንን ገሊጹለይ። ኣብቲ ፈለማ ግን ክዝክሮ ኣይከኣልኩን ነይረ" ትብል።
እዚ ንኣያ ኣብ እዋን መሪር ሓዘና ዓብዪ መጸናንዒ ከም ዝኾና ትዛረብ።
"እዚ እዋን ጸበባ ንኣደይ ከም ሰማእት ክትሕሰብ ይገብራ። ከምኡ ኢለ እየ ዝኣምን፤ እዚ ድማ ኣብ ውሽጠይ ከም ዘሎ ዘይፈልጦ ጥንካረ ክስምዓኒ ገይሩ'ሎ። ኣብ ካልእ እዋን ሞይታ እንተትኸውን ብመሪር ሓዘን ምተሰበርኩ" ክትብል ንስምዒታ ገሊጻ ኣያ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







