እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ "ጥዕና ምሳይ ተራኺቦም ዝነበሩ ሰባት የጨንቐኒ ነይሩ" ኣብ ባህርዳር እትርከብ ሕምምቲ ኮቪድ-19
እዛ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ውልቀሰብ ካብ ዱባይ ከም ዝመጽአት ተገሊጹ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ግዳያት ኮሮናቫይረስ ትርከብ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈላመይቲ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ምዃና ዝንገር እዛ ውልቀሰብ፡ ብኮቪድ-19 ከም ዝተትሓዘት ካብ እትፈልጥ 21 መዓልታት ኮይኑዋ ኣሎ።
ከመይ ኢላ በዚ ቫይረስ ተታሒዛ? ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ? ዝብል ቢቢሲ ኣዘራሪቡዋ ኣሎ።
ሰናይ [ነዚ ታሪኽ ስማ ተቐይሩ'ዩ]፡ ብዛዕባ እዚ ሕማም ካብ እትሰምዕ ጀሚሩ በቲ ባይረስ ከይትትሓዝ ልዑል ጥንቃቐ ትገብር መንባራ ትዛረብ።
እንተኾነ፡ ካብ ዱባይ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኣ፡ ኣብ ጉምሩክ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ "ምስ ብዙሓት ዜጋታት ወጻኢ ተጸጋጊዕና ደው ክንብል ተገይሩ ስለዝነበረ ሽዑ ብዝተፈጥረ ምንኽኻእ እቲ ቫይረስ ሒዙኒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ይጥርጥር" ትብል።
"ቅድሚኡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ጓንት ገይረ እየ ዝንቀሳቐስ ነይረ" ዝበለት ሰናይ፡ ምስ ሰባት ኣብ እትራኸበሉ እዋን'ውን ኣድላዪ ርሕቐት ትሕሉ ምንባራ ትዛረብ።
ካብ ዱባይ፡ ብ10 መጋቢት 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እያ መጺኣ። ኣብቲ ዕለት ብናይ ውልቂ መኪና ናብ ባህርዳር ከይዳ።
"ካብ ደገ ከም ዝመጻእኹ ተዛሪበ ኣብ ድሕሪት እታ መኪና ኮፍ ንክብል ነቶም ዝነበሩ ካልኦት ተሳፈርቲ ሓቲተ፤ 'እንተጥዒሙኪ ጸገም የብሉን' ኢሎምኒ ክሳዕ ባህርዳር ዝኣቱ ኣብቲ ሻንጣ ዝቕመጠሉ ቦታ ተሳፊረ መጺአ" ክትብል ኣድላዪ ጥንቃቐ ከምዝገበረት ትዛረብ።
ባህርዳር ምስ ኣተወት፡ ምስኣ ዝነብር ወዳ ናብ ካልእ ቦታ ክኸይድን ንነብሳ ክትውሽብ ከም ዘለዋን ትነግሮ። ወዳ ነዚ ክቕበሎ ስለ ዘይክኣለ ግን ኣብቲ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ሓደ ክፍሊ ንብሕታ ፈልያ ትቕመጥ፤ ካእ ዱባይ ምምጽኣ ግን ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይተዛረበትን።
ድሕሪኡ "መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ጓንት ገይረ ስለ ዝነበርኩ፡ ሰብ እናተጠራጠረ ይርሕቐኒ" ክትብል ምስ ሰባት ብዛዕባ ዝነበራ ድሩት ምርኻባት ትዛረብ።
ኣብቲ እዋን ብዛዕባ እዚ ለበዳ ዝነበረ ግንዛበን ድልውነትን ኣብዚ እቶ ዘይብሃል ስለ ዝነበረ፡ ናይ መርመራ ቅምሶ ንምሃብ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሰዓታት ከም ዝተኣጓጎለት ትገልፍ።
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝመጽአ ውጽኢት መርመራ ድማ፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘት ዘረጋግጽ ኮነ።
"በቲ ቫይረስ ምስ ተትሓዝኩ ኮነ ድሕሪኡ ብማሕበራዊ ሚዲያ ክበሃል ንዝኽእል ነገር ኣቐዲመ ስነ ልቦናዊ ምድላው ገይረ ስለ ዝነበርኩ፡ ከይሰንበድኩ ናብቲ ማእከል ሕክምና ከይደ" ኢላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል።
ድሕሪ እዚ፡ ንወዳ ሓዊሱ ምስኣ ናይ ዝተራኸቡ ሰባት ኣድራሻ ብምሃብ፡ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ናብ ሕክምና ማእከል ክኣትው ገይራ።
"ብሰንከይ ዋላ ሓደ ሰብ ክጉዳእ ስለ ዘይብሉን፡ ኣብ ዙርያይ ዝርከቡ ስድራይ ሽኮር፣ ጸቕጢ ደምን ካልኦት ሕማማትን ዘለዎም ስለ ዝኾኑ እዚ ሕማም ኣነ እንተሕሊፈሎም ቐዲሙ ዝሃልቕ ናተይ ስድራ ምዃኑ ስለ ዝተረዳእኹ እየ ከምኡ ገይረ። ብተወሳኺ ካልእ ሰብ'ውን ተሞኩሮ ክወስድ ኣለዎ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፡ ወሲነ" ትብል።
ወሲኻ፡ "ጥዕና ምሳይ ተራኺቦም ዝነበሩ ሰባት የጨንቀኒ ነይሩ" ኢላ።
ስድራ ቤታ ሓዊሱ መብዛሕትኦም ምስኣ ተራኺቦም ዝነበሩ ሰባት ክልተ ግዜ መርመራ ተገይሩሎም ካብቲ ቫይረስ ናጻ ከም ዝኾኑ፡ ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ኣቶ መሓሪ ታደሰ ንቴሌቪዥን እቲ ክልል ተዛሪቦም ነይሮም።
ሰናይ፡ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ካልእ ቦታ ዝነብር ዘይትፈልጦ ውልቀሰብ ምስኣ ተራኺቡ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ጎንደር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ብማሕበራዊ ሚዲያ ከም ዝጽሓፈ ትገልጽ።
ሰናይ ግን ነዚ ውልቀሰብ ከም ዘይትፈልጦን ከም ዘይተራኸቡን ገሊጻ። ምስኣ ብቐረባ ዝተራኸቡ ሰባት ግን ንስለ ድሕነቶም ክትትል ንክግበረሎም ተወሺቦም ከም ዘለው ሓቢራ።
ሕጂ "ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት" ይርከብ ዝበለት ሰናይ፡ ኣብ ቀረባ ካብቲ ማእከል ሕክምና ክትወጽእ ተስፋ ከም እትገብር ተዛሪባ።
ምልክታት ረስን ሰዓልን ደው ከም ዝበለላን ሰብ ሞያ ሕክምና ኣድላዪ ክትትል ይገብሩላ ከም ዘለውን ገሊጻ። [ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ናይ 25 ደቓይቕ ዕላል'ውን ናይ ሰዓል ምልክት ኣየርኣየትን]
ይኹን'ምበር፡ ነዚ ሕማም ንምዕጋስ እትወስዶ ዘላ መድሓኒት ጨጎርኣ ይጎድኦ ከም ዘሎ ትገልጽ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ካልእ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ከተማ ኣዲስ ኣቅማ እዩ።
እዚ ውልቀሰብ ናብ ኢትዮጵያ ምስ መጽአ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣቅማ ከይዱ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ብዝተገበረሉ መርመራ እቲ ቫይረስ ከም ዝሓዞ ተረጋጊጹ።
ንሱ'ውን ኣብ ማእከል ሕክምና ባህርዳር ተፈልዩ ክትትል ይግበረሉ ከም ዘሎ ሓላፊ መምርሒ ጥዕና ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ኣቶ ኣዲሱ ጋሻዬ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምስዚ ውልቀሰብ ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባት ንምፍላይ ብዝተገበረ ጻዕሪ 63 ሰባት ተፈልዮም ኣብ ሆስፒታል እንጅባራ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ቦታ ከም ዝርከቡን መብዛሕትኦም መርመራ ተገይሩሎም ናጻ ምዃኖም ተረጋጊጹ፤ ንኻልኣይ ግዜ ክሳብ ዝምርመሩ ኣብቲ ማእከል ክጸንሑ ከም ዝተገበረ ሓቢሩ።
ካብ ሞንጎ እዞም ሰባት ናይቲ ሕሙም በዓልቲ ቤትን ወዱን ሓዊሱ 8 ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሩ ሰባት ውጽኢት መርመርኦም ኣብ ቀረባ ተፈሊጡ ሓደ ውልወሰብ ከም ዝተረኸቦ ኣቶ ኣዲሱ ገሊጹ።
ምስዚ ሰብ ተራኺቦም ነይሮም ዝተብሃሉ 91 ሰባት ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ክኣትው ተገይሩ ኣሎ። ብሓፈሻ ኣብቲ ሆስፒታል 154 ሰባት ተወሺቦም ይርከቡ።