እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብራዚል፡ ዘይተሰነደ ነትጒ ኮሮናቫይረስ
ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዓበየ መካነ መቃብር ዝኾነ ቪላ ፎርማሳ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ ዓቕሙ'ዩ ጸቢብዎ ዘሎ፡ ብቐባሮ ዘይኮነስ ብተቐበርቲ።
እዚ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ብራዚል ዝርከብ መካነ መቃብር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕግታቱ ከሪሮም'ዮም ዘለዉ።
ስድራ መዋቲ ንሬሰኦም ኣብ ቤት ጸሎት እዮም ዝፋነውዎ፡ ኣብኡ'ውን ካብ 10 ክበዝሑ ኣይፍቀዶምን'ዩ።
እቶም ኩዓትቲ መቓብርን ሓመድ ደብ ዘልብሱ ሰራሕተኛታት'ውን ፍሉይ መስርሕ'ዮም ዝኽተሉ ዘለዉ።
ሬሳ ክቕበር ቅድሚ ምምጽኡ፡ ዕሹግ ደብዳበ ይበጽሖም፡ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ናይቲ ደብዳበ 'D3' ዝብል እንድሕሪ ተጻሒፍዎ፡ እቲ ዝመጽኦም ዘሎ ሬሳ ብኮቪድ'19 ዝሞተ ወይ'ውን ዝተጠርጠረ ምዃኑ ይፈልጡ።
ነዚ ተረዲእዎም ከኣ ጓንቲ፡ ማስክን ካልእ መከላኸልን ይኽደኑ።
እዞም ኣብቲ መካነ መቃብር ኩዓትቲ መቃብር ኮይኖም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብዚ እዋን ዘዝኾዓትዎ መቓብር እናመለአ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝኹዕትዎ ዝነበሩ መቓብር ብዝተዓጻጸፈ ቑጽሪ ይኹዕቱ ከምዘለዉ'ዮም ዝሕብሩ።
መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም 40 ሬሳታት ይቐብሩ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ክሳብ 60 ኣብ መዓልቲ ዝቕብሩሉ እዋን ከምዘሎ'ውን ይሕብሩ፡ ዝበዝሑ ኸኣ 'D3' ዝብል ምልክት ኣለዎም።
ኣብ መካነ መቓብር ቪላ ፎርማሳ ኮዓትቲ መቓብር ዝኾነ ኣማኑኤል ፔሬራ " ምምሕዳር እዛ ከተማ ኣስታት 5000 ዝኸውን መሸፈኒ ሬሳ ኣምጺኡልና ኣሎ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት'ውን ተወሲኾሙና ኣለዉ" ይብል።
ሚኒስተር ጥዕና ብራዚል፡ ቅድሚ ወርሒ ግንቦት ወይ ሰነ ክንድዚ ዝኣክል መጠን ሞት ከጋጥም'ዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘይነበሮ'ዩ ዝሕብር።
ኣካላዊ ምርሕሓቕ
ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይ መካነ መቃብር ቪላ ፎርማሳ፡ ሓደ ሬሳ ምሉእ ኣካላቶም ብጻዕዳ ፕላስቲክ ዝተሸፈኑ ሽዱሽተ ሰባት ተጸይሩ፡ ናብቲ ሓዲሽ ዝተኻዕተ ጉድጋድ ብሸለልትነት ክድርበ ይረአ። እቶም ቀባሮ ዝደኸሙ'ዮም ዝመስሉ።
እታ ሓመድ ድበ ትለብስ ዘላ፡ ማርያ ኦደተ እያ ትብሃል፡ ጓል 77 ዓመት ኾይና ጠንቂ ሞታ ኮሮናቫይረስ ምዃኑ'ዩ ዝጥርጠር፡ ኣብቲ ናብቶም ቀባሮ ዝመጽአ ፋይላ'ውን 'D3' ተጻሒፍዎ ነይሩ።
እቶም ስድራኣ'ውን ማስክ፡ ጓንት ጌሮም ኣካላዊ ርሕቀቶም ሓልዮም ኣብ ቤት ጸሎት'ዮም ተፋንዮማ፡ ናብ መካነ መቓብር ዝኾነ ቪላ ፎርማሳ መጺኦም ስነ ስርዓት ቀብራ ክከታተሉ ኣይተፈቕዶምን፡ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ስርዓታት'ዩ ቀያይርዎ።
ሳንድሮ፡ ነዛ መዋቲት ወዳ እዩ " ኣዝየ ሓዚነ ኣለኹ፡ ሓመድ ድበ ኣደይ'ውን ክሳተፍ ኣይከኣልኩን" ይብል።
ሳንድሮ ኣስዒቡ "ቅድም ኣይግደሰሉን'የ ነይረ፡ ከምዚ ማዕከን ዜናታት ዘዋዕውዐኦ ጌረ'የ ዝወስዶ ነይረ፡ ናብ ስድራይ ኣትዩ ዝፈትዋ ኣደይ ምስ መንጠለኒ ግን ሓደገኛነቱ ተረዲኡኒ፡ እንታይ'ሞ ህይወት ዘይትምለስ እንዶ ኾነት"ይብል።
ሳንድሮ፡ ወላዲቱ፡ ውጽኢት መርመራኣ ከይተነገራ እንከላ'ያ ሞያታ። ኣብ ብራዚል ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ንኽፍለጥ ክሳብ ክልተ ሰሙን'ዩ ዝወስድ። ብዙሓት ኸኣ ልክዕ ከም ናይ ማርያ ውጽኢቶም ከይተነገሩ እዮም ሞይቶም።
ላባራቶሪታት እታ ሃገር፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ቅምሶታት ናይ ሰባት ምስአን ኣሎ ንኹሉ ክምርምር ዘኽእል ዓቕሚ ግን የብለንን።
ኣብ 15 ሚያዝያ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ልዕሊ 28 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን 1736 ሰባት ከምዝሞቱን ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ዳይረክተር ናይቲ ካብ ላቲን ኣሜሪካ ዝዓበየ ሆስፒታል ዝኾነ ሆስፒታል ዳስ ክሊኒካዝ፡ ዶክተር ካሮሊና ላዛሪ "እዚ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝሕበር ዘሎ ኣሃዝ ኣብ መጀመርታ ምልባዕ ናይዚ ቫይረስ ዝነበረ ቁጽሪ እዩ ዘርኢ፡ ሕጂ ግን እቲ ኣሃዝ ካልእ'ዩ. . . ዕጽፍታት'ዩ" እያ ትብል።
እኹል መመርመሪ የለን
ብራዚል ካብ ሚልዮን 300 ሰባት ጥራሕ እያ ትምርምር ዘላ። ኣመሪካ ግን ካብ ሚልዮን 9482 ሰባት ትምርምር ኣላ።
እታ ሃገር፡ ሕጽረት እቲ መላእ ዓለም ዝሻወመሉ ዘሎ መመርመሪ ኮቪድ-19 ስለዘለዋ ከቢድ ብድሆታት ገጢሙዋ ኣሎ።
ዶክተር ካሮሊና ላዛሪ "እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኣሃዝ፡ ጫፍ ናይቲ ብሕጂ ዘጋጥም ዝዓበየ ስግኣት'ዩ" ድሕሪ ምባል " ኣብ ብራዚል፡ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዝተዓቖቡ'ሞ ኣብ ዝከፈአ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት ጥራሕ'ዩ መርመራ ዝግበረሎም ዘሎ። ምስዞም ሕሙማት ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ተራኺቦም? ኣበይ ኣለዉ? ምስ ክንደይ ሰብ ይራኸቡ ኣለው? ግን ንፈልጦ ነገር የለን" ትብል።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ብራዚል ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ እቶም 10 ሚእታዊት ምስ ስርዓተ ምስትንፋስ ብዝተሓሓዝ ሕማማት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ፡ ኮሮናቫይረስ'ዶ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ግን መልሲ የብሉን፡ ምኽንያቱ ኣይተመርመሩን።
ዘሀውኽ ነገር የለን
ዳኒኤል ተባክ ክኢላ ስነ ኣካላትን ስነ ደምን'ዩ። ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር ጃምላዊ መርመራ ክካየድ ዝጉስጉሱ ዘለዉ እዩ።
እታ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንመጀመርታ ሕሙም ኮሮና ቫይረስ ዝረኸበት ብራዚል ኣብ ምክልኻል እዚ ሕማም ርኡይ ዛሕሊ ተርኢ ኣላ እዩ ዝብል። እቲ ሕማም ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሃገራ ከምዝኣተወ ዘረጋገጸት ብራዚል፡ ኣብ ለካቲት ሚልዮናት ሰባት ዝተሳተፍዎ ህዝባዊ ፈስቲቫል ክካየድ ምፍቃዳ ብተሪር ይነቕፋ።
"ኣብ መጀመርታ፡ ብራዚል በዚ ሕማም ክትጥቃዕ ኣይትኽእልን'ያ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ነይሩ'ዩ፡ ምልስ ኢልና እንተሪኢና ኸኣ፡ ብራዚል መመርመሪ ንኽትገዝእ እኹል ግዜ ነይርዋ'ዩ" ይብል።
ሰብ ሞያ ጥዕና ብራዚል ጃምላዊ መርመራ ክግበር ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ሰብ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ክገብር ምግዳድ ከምዘደሊ'ዮም ዝመኽሩ።
ፕረዚደንት ብራዚል ኣብ ኮሮናቫይረስ ዝኽተሎ ዘሎ 'ባጫዊ ኣካይዳ' ብዙሓት ነቲ ብሚኒስትሪ ጥዕናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝወሃብ መመርሒታት ዕሽሽ ክብልዎ ከምዘተባብዕ ዝሕብር ዳኒኤል ተባክ፡ ፕረዚደንት ብራዚል ጃየር ቦልሶናሮ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብዙሓት ደገፍቱ ኣብ ዝተኣከብሉ ቦታ ተረኺቡ ከምዝነበረን፡ ኣፍንጭኡ ብኢዱ ሒዙ ብድሕሪ እዚ ንሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ሰላም ክብል ከምዝተራኣየን ይፍለጥ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ምግባሩ " ነቲ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወሃብ መምርሒታት ዕሽሽ ከምዝበሎ ዘርኢ እዩ" እትብል ዶክተር ላዛሪ " ለበዳ እዚ ኮሮና ንምዕጋት ኩልና ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ'ዩ ክህልወና ዘለዎ" ትብል።
ብራዚላውያን ተመራመርቲ፡ ሓቀኛ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ብራዚላውያን ንምፍላጥ ኣብ ግድል እዮም ዘለዉ።
ክሳብ ሕጂ ብዘዋህለሉዎ ሓበሬታ ኸኣ፡ ኣብ ብራዚል ክሳብ 313 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ይገልጹ፤ እዚ ኸኣ 15 ዕጽፊ ናይቲ ብመንግቲ ተሓቢሩ ዘሎ'ዩ።
ሓደ ካብዞም ብራዚላውያን ተመራመርቲ ዝኾነ ዶሚኖጎስ ኣልቨስ "ብዙሓት ሰባት ክትሓቶ ቀሊል ዝኾነ ' ነዚ ሕማም መዓስ ኢና ንቆጻጸሮ?' ዝብል ሕቶ ይሓቱኒ'ዮም፡ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት፡ ልክዕ፡ ገና ጫፉ ናብ ዘይንርእዮ ሓደ ጎቦ ንድይብ ከምዘሎና ጌርና ክንርእዩ ይግባእ ከምቲ ኣሜሪካን ኢጣልያን ኮይነነኦ ዘለዋ ክንከውን ኢና " ይብል።
ብራዚል ናበይ ገጻ'ያ ተምርሕ ዘላ?
ዳኔኤል ተባክ፡ ህንዲ ምናልባት እዚ ሕማም'ዚ ኣብ ብራዚል ከመይ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ዝብል ገለ ኣስተብህሎ ክትህብ ትኽእል እያ ይብል።
"ኣብ ሓደ ዝተጨቃጨቐ ገዛውቲ 13 ሚልዮን ኣብ ዝነብረሉ ቦታ፡ ግቡእ መስርሕ መርመራ እንተዘይተኸቲልና ነዚ ለበዳ ከመይ ጌርና ደው ከነብሎ ንኽእል። ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም እዩ፡ ኣብ ዝተጨቃጨቀ ቦታ ንዝነብሩን፡ ከም ሳምናን ማይን መሰረታውያን ነገራት ዘይብሎም ሰባት ከኣ ብኸቢድ ከጥቅዖም ይኽእል'ዩ" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ።
ዳኔኤል ተባክ ሓቀኛ ቁጽሪ ግዳያት ብራዚል ንምፍላጥ ሓደ መንገዲ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ፡ ንሱ ከኣ፡ "ብራዚል በዚ ሕማም ኣይተናወጸትን ዘላ፡ ምኽንያቱ፡ ቁጽሪ ምውታት ኣብ መዝገብ ኣይሰፈረን" ብምባል፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ነቲ ሕቶ መልሲ ከምዘይብሉ መሊስዎ።