ኮሮናቫይረስ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዘሕረቐቶ ጋዜጠኛ፡ "ሓሳዊት ኢኺ፤ ብጣዕሚ ኢኺ ተሕፍሪ" ኢሉዋ

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጋዜጣዊ መግለጺታት ዶናልድ ትራምፕ ርእሶም ዝኸኣሉ ፍጻሜታት 'ኮሜዲ' ዘለዎም'ዮም። ትማሊ ምሸት ዝሃቦ መግለጺ ድማ ኣብዚ ክምደብ ይኽእል።

እዚ፡ ክልተ ሰዓትን 24 ደቒቕን ዝወሰደ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝሃቦም መግለጺታት ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ'ዩ ተባሂሉ።

ድራማዊ ፍጻሜታቱ'ሞ ብዙሓት'ዮም። ትራምፕ፡ ኩል ግዘ ጸላእተይ'ዮም ምስ ዝብሎም ጋዜጠኛታት ክራኸብ እንከሎ፡ ሓንቲ እተስሕቕ ኣጋጣሚ ከይፈጠረ ኣይሓልፍን።

ንኣብነት፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ "እስከ ሎሚ መዓልቲ ንሓድሕድና ንተሓላለ፣ ዓርቢ ስቕለት እዩ። ጨዋታት ኹኑ" ክብል እቲ መድረኽ ንሕቶ ክፉት ገይሩዎ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ "ተራ ሰዓል'ዩ፤ ባዕሉ ድማ ብተኣምር ክጠፍእ'ዩ" ዝበሎ ኮሮናቫይረስ፡ 600 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ኣሜሪካ ኣጥቂዑ ይርከብ፤ ልዕሊ 20 ሽሕ ኣሜሪካውያን ድማ ⶁይቶም።

ኣብዚ ቕነ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ትራምፕ ቅልጡፍ ስጉምቲ ንክወስድ እኹል መረዳእታ ቐሪቡሉ፣ ኣድላዪ ማዕዳ ተዋሂቡዎ እናሃለወ ስለ ዝተዘናግዐ'ዩ እዚ ኹሉ ክሳራ በጺሑ ዘሎ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ጸብጻብ ሒዙ ምስ ወጽአ፡ ትራምፕ ሓሪቑ።

ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብቲ ብዓርቢ ዝሃቦ መግለጺ ድማ ሰፊሕ ግዘ ወሲዱ፡ መን? መዓዝ? እንታይ ገይሩ ዝብል እናልዓለ ደጋጊሙ ይዛረብ ነይሩ።

ትማሊ፡ ብዝተኽኣሎ መጠን ንኒውዮርክ ታይምስ ኣዋሪዱዎ፤ "ሌባ!" ኢሉዎ።

ኣብ ሞንጎ ጋዜጠኛ ሲቢኤስ ፓውላ ሬይድን ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕን ዝነበረ ናይ ቃላት እንካን ሃባን እሞ፡ መግለጺ የብሉን።

ፓውላ፡ ትማሊ ኣንጻር ትራምፕ ኯይና ኣምሲያ። ብዘይምቁራጽ ሕቶታት ከተቕርብሉ ምስ ጀመረት ግን፡ ትራምፕ መልስታቱ ናብ ጸርፊ ተቐይሮም።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ እኹል ስራሕ ሰሪሐ'የ ክንቀፍ የብለይን ዝብል ትራምፕ፡ ፓውላ "ኣብ ወርሒ ለካቲት እንታይ ሰሪሕካ? በሪ ንምዕጻው ዝዘንጋዕኻሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?" ኢላቶ።

ትራምፕ ነዚ ዕሽሽ ኢሉ ብዛዕባ ናይ ባዕሉ ዕውት ስራሕቲ ክዛረብ ምስ ጀመረ፡ መሊሳ ተቋርጾ። እዚ እንካን ሃባን ቀልቢ ብዙሓት ስሒቡ።

ብዉሑድ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

Short presentational grey line

ትራምፕ፡- "ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዋላ ሓደ ሕሙም ኣይነበረን። እዚ ናታትኩም ናይ ሓሰውቲ ሚዲያታት ዘረባ እዩ። '. . . ትራምፕ ነዚ ለበዳ ኣቐዲሙ ክቆጻጸሮ ምተገብ' ትብሉ። ኣነ መጀመርታ እየ ስጉምቲ ወሲደ። ኣነ ቐልጢፈ ስጉምቲ ክወስድ ከለኹ ግን፤ እዛ ናንሲ ፔሎሲ ዝብሉዋ ሰበይቲን እቲ ዝንጉዕ ጆ ባይደንን ንዓይ ይነቕፉ ነይሮም።

ኣብ መገዲታት ኣየር ጥቡቕ ክትትል ክካየድ ስለ ዝገበርኩ እንድዮም ግዲ ዝነቐፉኒ። ብ21 ጥሪ ናይ መጀመርታ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ። ዋላ ሓደ ሰብ ግን ኣይሞተን። ኣብዚ ግዜ ዲኹም ዓብዪ ቑጠባ ዓለም ዘይዓጸኻ ትብሉኒ ዘለኹም? እንታይ ድዩ ረኺቡኩም?

ናይ ዓለምና ርእሲ ቑጠባ፣ ንቻይና ዘዕብዳ ቑጣ፣ ቑጠባ ዓባይ ኣሜሪካ፣ ዓብዪ ኢኮኖሚ . . . ኣብዚ ግዜ ንምታይ ዘይዓጸኻ ትብሉ? ኣነ'የ ዓብዪ ቑጠባ እዛ ሃገር ሃኒጸ። ብ31 ጥሪ ግን ኣብዛ ሃገር ሓደ ሰብ ከይሞተ እንከሎ በረይ ዓጽየ።

ቐልጢፈ በሪ ምስ ዓጸኹ ድማ፡ ናይ ሓሶት ምንጪ ዝኾንኩም ጋዜጠኛታት ክትነቕፉኒ ጀሚርኩም። ዝገርም እኮ'ዩ፤ እንክፈቅድ መከራ . . . እንትኽልክል'ውን መከራ

ጆ ባይደን፡ ዓሌታዊ ኢኻ ኢሉኒ። ሰብ ካብ ቻይና ከይመጽእ ስለ ዝበልኹ'ዩ እኮ ከምዚ ኢሉኒ። ኣዛ ፔሎሲ ዝብሉዋ ድማ፡ ሰብ ዝጸልእ ሰብ ኢላትኒ። ቀጺሉ እዚ ሰብ ዝጸሓፈሉ ዘንብብ ጆ ባይደን "ትራምፕ በሪ ምዕጻው ልክዕ'ዩ" ኢሉ።

ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ድማ፡ ዓይኑ ዘፍጠጠ ሌባ'ዩ። ፍሉጥ ሓሳዊ ጋዜጣ። ፕሬዝደንት ትራምፕ፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘንጊዑ'ዩ ክብለኒ? ሓሳዊ። ግን ድማ እዚ ጋዜጣ ብዛዕባይ እንተዘይጽሒፉ ዝዕድጎ ስለ ዘይረክብ ዝዕጾ'ዩ ዝመስለኒ።

መመርመሪ ማእከል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ እዚ ትራምፕ መብራህቲ ኣጥፉኡለይ በለ። ነቶም ጋዜጠኛታት ድማ ፊልሚ ርኣዩ በሎም።

እዚ፡ ዝተዋሃሃደ ናይ ቴሌቪዥን ምስሊ እዩ። ዝተፈላለዩ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ኣሜሪካ ነንሓድሕዶም ክሞጓጎሱ ድማ ይርኣዩ።

እዚ ፊልሚ ምስ ተወድአ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ኢዱ ኣውጺኡ፡ "ክቡር ፕሬዝደንት እዚ ናይ ናእዳ ቪድዮ መን ኣወሃሂዱልካ? ኣብ ናይ ምርጫ ጎስጓስ ዘለው ይመስሉ? ክብል ሓተቶ።

ትራምፕ፡ ንሕና ኢና ሰሪሕናዮ፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቒቕ ኣዋዲድናዮ። እንተደሊኻ ከምዚ ዝበለ ኣሽሓት ቪድዮ ከርእየካ ይኽእል'የ።

ጋዜጠኛ፡ ንምንታይ?

ትራምፕ፡ ምኽንያቱ ሓሰውቲ ሚዲያታት ስለ ዘቸገርኩምና።

ጋዜጠኛ፡ ብናይ መንግስቲ በጀትን ብሰራሕተኛታት ቤተ መንግስትን ዲኻ እዚ ቪድዮ ተስርሖ?

ትራምፕ፡ ካልእ ኣይኮነን ናይ ሰባት ዘረባ ኢና ለጋጊብና ኣርኢናኩም ምስ በለ ትራምፕ ነዲሩ ክዛረብ ጀመረ።

"ኣነ ዝብለኩም፤ ስለ ምንታይ ኢኹም ዋላ ሓደ ሰብ በዚ ቫይረስ ከይሞተ እንከሎ ናይ ዓለምና ዓብዪ ቑጠባ ዝሓዘት ሃገር ዘይዓጸኻ ኢልኩም እትነቕፉኒ?" ኢሉ ሓተተ።

ሕጂ፡ ጋዜጠኛ ሲቢኤስ ፓውላ ኢዳ ኣውጺኣ።

"ክቡር ፕሬዝደንት፡ እቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ግዜ ኣጥፊእኻ ኢኻ ተባሂልካ ኢኻ ትንቀፍ ዘለኻ። እቲ ግዜ፡ መደቀሲ ዓራት ሕሙማት ንምድላው፣ ሆስፒታል ንምህናጽ፣ መመርመሪ መሳርሒታት ንምድላው ኣይተጠቐምካሉን። ሕጂ 20 ሚሊዮን ኣሜሪካውያን ካብ ስራሕ ቦዂሮም ኣለው። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ሞይቶም። ንስኻ ኢኻ . . .

ትራምፕ፡ ደው ኣበላ።

"ንስኺ መሕፈሪት ጋዜጠኛ ኢኺ። እስከ ስቕ በሊ። ካልእ ክገብሮ ዘይክኣለ እየ ኣነ ገይረ . . .

እታ ጋዜጠኛ ኣቋረጸቶ። "ብወርሒ ጥሪ ዘይኮነ ብለካቲት እንታይ ትሰርሕ ነይርካ? ስራሕ እንተዝስራሕ ነይሩማ ሰብ ኣይምሞተን . . .

"ይቕሬታ፤ እቲ ጸብጻብ እኮ ንስኺ ሰሪሕኽዮ ኢኺ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይሞተን ኣይተትሓዘን ኢልኪ ጸብጺብኺ ኢኺ። ኣብዚ ግዜ ሃገር ከመይ ኣቢልካ ትዓጹ? እስከ ንገርኒ? ዓባይ ሃገር?

እታ ጋዜጠኛ፡ "ሕጂ ዘይተሓትካዮ ኣይትመልስ፤ ኣብ ለካቲት እንታይ ጌርካ?

ትራምፕ፡ ብጣዕሚ ብዙሕ ነገር፤ ብዙሕ ነገር እየ ሰሪሐ። እንታይከ ዘይገበርኩ። እቲ ዝርዝር ብጽሑፍ'ዶ ክህበኪ?

ጋዜጠኛ፡ ንሱ እየ ንገሪ ዝብለካ ዘለኹ

ትራምፕ ሓረቐ። ሓደ ነገር ክነግረኪ። ሓሳዊት ኢኺ። ንስኽን ሚዲያኽን ሓሰውቲ ኢኹም። ንዓይ እዚ ካብ እትሓቲ ስለ ምንታይ ባይደን ይቕሬታ ሓቲቱኒ? ስለ ምንታይ ዴሞክራት ንኢዶምኒ? ኣቐዲመ ስጉምቲ ስለ ዝወሰድኩ ባይደን . . .

እታ ጋዜጠኛ ሕጂ ድማ ኣቋረጸቶ፤ "ክቡር ፕሬዝደንት ብዛዕባ ባይደን እኮ ኣይሓተትናን"

ትራምፕ፡ ቀስ በሊ! ከም ገሊአን ሃገራት እንተዝኾን ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት ምሞቱ። ኣነ ግን ከምኡ ኣይገበርኩን። ቐልጢፈ ስጉምቲ ብምውሳደይ ህይወት ሚሊዮናት ኣድሒነ። እቲ ጸገም ንስኻትኩም ሓሰውቲ ስለ ዝኾንኩም፡ ነዚ ኣይትጽብጽቡን። ሓሳዊት ኢኺ። ሌባ! ፌክ ኒውስ . . .

ኮሮና
ኮሮና