ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ዘሕዝን ኩነታት ዝተቐየረ እገዳ ምንቅስቓስ ህንዲ

ብስልኪ ከዘራርቦ ከለኹ ካብታ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ክሰርሕ ዝጸንሐላ ጉጅራት፡ ናብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ኣብ ዞባ ራጃስታን እትርከብ ቁሸት ይምለስ ነይሩ።

ጉታም ላል ሚና፡ ኣብቲ ጸሓይን ሃሩርን ዝበዝሖ ሸበጥ ጫማ ገይሩ በቲ ናይ ሓመድ መገዲ ይጓዓዝ ነይሩ። ብህይወት ክጸንሕ ዝሓገዞ ድማ ብሽኮትን ማይን'ዩ።

ኣብ ዞባ ጉጅራት ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መዓልታዊ ክሳብ 400 ሩፒ ገንዘብ ህንዲ [5.34 ዶላር] ኣታዊ ይረክብ'ኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ዝረኸቦ ነቲ ዝበዝሕ ናብ ስድርኡ'ዩ ዝልእኾ።

ህንዲ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትገትእ መታን ካብ ፍርቂ ለይቲ 24 መጋቢት ዝጀመረ፡ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ እገዳ ምንቅስቓስ ኣዊጃ። ብሰንኪ እዚ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር ስራሕን እቶትን ክሰኣኑ ጀሚሮም።

እቲ እገዳ ንምንቅስቓስ መጓዓዝያ ዝኽልክል ብምንባሩ'ውን ሚና ብእግሩ ክጓዓዝ ተገዲዱ።

"ሙሉእ ለይትን ቀትርን ተጓዒዘ። እንታይ ኣማራጺ ኣለኒ ኮይኑ? ቁሩብ ገንዘብ ነይሩኒ፡ መግቢ ግን ኣይሓዝኩን" ክብል ነጊሩኒ። ድምጹ ድርቕ ዝበለን ከይፈተወ ዝዛረብ ዘሎን የምስል።

ብርግጽ ንሱ ንበይኑ ኣይኮነን። ኣብ መላእ ህንዲ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብፍልሰት መጺኦም ዝሰርሑ ሚልዮናት ሰባት፡ ካብተን ዝሰርሑለን ከተማታት ናብ ዝመጽኡለን ቁሸታት ክውሕዙ ተራእዮም'ዮም።

እዞም ኣብ ዘይወግዓውያን ዓውዲታት ስራሕ ዝወፈሩ ሰራሕተኛታት ንቑጠባ እታ ከተማ ከም ዓንዲ ሑቘ እዮም።

ኣብ ህንጸት ገዛውቲ፣ ምድላው መግቢ፣ ምብጻሕ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ዝእዘዙ ነገራት [ደሊቨሪ]፣ ስራሓት ጽባቐ ጸጉሪ፣ ጋራጅ፣ ጽርየት፣ ምዝርጋሕ ጋዜጣታትን ካልኦትን ይነጥፉ።

እዞም ካብ ድኽነት ከምልጡ ዓዶም ዝገደፉ ኣስታት 100 ሚልዮን ብፍልሰት ዝመጽኡ ሰባት፡ ኣብ ኣዝዩ ረሳሕን ድኻታት ዝእከቡሉን ከባብታት ክነብሩ ይግደዱ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ እገዳ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ስደተኛታት ቐይርዎም። ዝሰርሑሎም ትካላት ተዓጽዮም፤ ቆጺሮም ዘስርሕዎምን መዓልታዊ ኮንትራት ስራሕ ዝህብዎምን ኩሎም ኣካላት ጠፊኦም።

ህጻናትን ዓበይትን፤ ደቂኣንሰትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኩሎም ነናብ ቈሸቶም ነዊሕ ጉዕዞ ጀሚሮም። ቁሩብ ኣቑሑን መግብን ተሰኪሞም ብእግሮም ክጓዓዙ ይረኣዩ።

መንእሰያት ጋዕ ገልጠም ተሰኪሞም፡ ወለዲ ድማ ንህጻናት ደቆም ኣብ ማእገሮም ጸይሮም ክኸዱ ተገዲዶም።

ጉዕዞኦም፡ ቀትሪ ብጸሓይ ለይቲ ድማ ብኮዋኽብቲ ዝተዓጀበ እዩ። መብዛሕቲኦም ገንዘብ ከምዝወድኡን ጥምየት ከጋጥሞም ከምዝኽእልን ይዛረቡ።

ጋዜጣ ዘ'ኢንድያን ኤክፕረስ "ህንዲ ናብ ገዝኣ ትገይሽ ኣላ" ዝብል ርእሲ ዝሃቦ ጸሑፍ ብምዝርጋሕ ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ'ዩ።

እዚ ዘጋጠመ ኩነታት ነቲ ኣብ 1947 ዝነበረ ደማዊ ውግእ ህንድን ፓኪስታንን ዘኸተሎ ስደት የዘኻኽር። ሽዑ በቲ ዝነበረ ደማዊ ወግእ 15 ሚልዮናት ካብ ከባቢኦም ተፈናቒሎም። ሚልዮናት ስደተኛታት ድማ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ፓኪስታን ብእግሮም ተሰዲዶም።

ኣብዚ እዋን ከኣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። እቲ ለበዳ ንምግታእ ዝተወሰነ እገዳ ምንቅስቓስ ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቐይሩ'ሎ።

ኣብ ሞንጎ እቶም ብምኽንያት እገዳ ምንቅስቓስ ዝተሰናኸሉ መናእሰያት፡ ካጆዲ ዝበሃላ ጓል 90 ዓመት ሽማግለ ይርከባ። ስድረአን ኣብ ጎደናታት ከተማ ደልሂ እናዘሩ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣቑሑት ብምሻጥ ይናበሩ።

ካጆዲ ናብታ ኣስታት 100 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ራጃስታን ዝተበሃለት ቁሸት'የን ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝገብራ ዘለዋ።

መብዛሕትኦም ገያሾ ብሽኩቲ ክበልዑ፤ ኣዝዩ ሕሱርን ብባህላዊ መገዲ ብኢድ ዝጥቕለልን ዓይነት ሽጋራ ከትኽኹ ይረኣዩ። እዚ ድማ ጥምየት ንምዕጋስ ይሕግዞም።

ምርኩስ ሒዘን ዝጓዓዛ ዝነበራ ሽማግለ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኣክል ብእግረን ምስከዳ ጋዜጠኛ ሳሊክ ኣሕመድ ረኺቡ ኣዘራሪብወን። ንሳ "ኣገልግሎት መጓዓዝያ እንተዝህሉ ነይሩ ትኬት ዓዲገ ናብ ዓደይ ምኸድኩ' ኢለናኒ" ይብል።

ካልእ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ኣብ ሞንጎ'ቶም ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት ይርከቦም። ምስቲ ኣብ ስራሕ ህንጸት ገዛን ካልእን ዝሰርሕ ኣቡኡ ካብ ከተማ ደልሂ ናብታ ኣብ ማእኸላይ ህንዲ እትርከብ ግዛኣት ማድያ ፕራድሽ 700 ኪ.ሜ ርሕቐት ዘለዎ ናይ እግሪ ጎዕዞ ጀሚሩ'ሎ።

ኣቡኡ፡ "ጸሓይ እንተዓሪባ ጉዕዞና ኣቋሪጽና ክንድቅስ ኢና" ክብል ንጋዜጠኛ ባርካ ደት ገሊጹሉ።

ካልእ ምስ በዓል-ቤታ ቆልዓ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ተሰኪማ ትኸይድ ዝነበረት ሰበይቲ ድማ "ክንጸንሓሉ ንኽእል ቦታ ነይሩና፤ መግቢ መግዝኢ ዝኸውን ገንዘብ ግን የብልና" ክትብል ናብ ዓዳ ክትኸይድ ዝወሰነት ተረድእ።

ናብ ዓዱ ክበጽሕ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ጉዕዞ እግሪ ዝጽበዮ ሰራሕተኛ ጋራጅ ዝኾነ ወዲ 26 ዓመት ራጅኔሽ'ውን፡ ኣብ መገዲ ኣሎ። "ኮሮናቫይረስ ከየርከበና ከሎ በዚ ብእግሪ ንገብሮ ዘለና ጉዕዞ ክንመውት ኢና" ክብል ነቲ ከቢድ ኩነታት ገሊጽዎ።

ነዚ ክብል ከሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ሓደ ወዲ 39 ዓመት ሰብኣይ ካብ ደልሂ ናብ ግዝኣት ፕራዴሽ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ጉዕዞ እግሪ ኣብ ኣፍ ልቡ ካብ ዝጀመሮ ቓንዛን ድኻምን ሞይቱ'ዩ።

እቲ ኩነታት ሕሱም እናኾነ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ግን ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ነቶም ብእግሮም ዝጓዓዙ መኻይን፣ መጽለልን መግብን ከቕርቡሎም ጀሚሮም'ዮም።

እንተኾነ ነናብ ከባቢኦም ዘብጽሓ መኻይን ምቕራብ'ውን ካልእ ሓደጋ ዘንጸላለዎ ኮይኑ'ሎ። ነተን ኣውቶብሳት ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት ኣብ መዕርፎ ኣውቶብሳት ደልሂ ብጻዕቒ ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም።

ኣመሓዳሪ ከተማ ደልሂ ሰራሕተኛታት ነታ ከተማ ገዲፎም ክወጽኡ ከምዘይብሎም'ዩ ዝገልጽ። "ኣብ ዘዘለኹምዎ ጽንሑ፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ምትእኽኻብ የጋጥም ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ንኮሮናቫይረስ ኣብ እትቃልዑሉ ሓደጋ ትኣትዉ ኣለኹም" ክብል ይምዕዶም።

መንግስቲ ንገዛ ክራይ ከምዝኸፍለሎም ብምሕባር 568 መከፋፈሊ መግቢ ቦታታት ኣብታ ከተማ ከምዝተዳለዉ ይገልጽ።

"ኣብ ህይወትኩም ፈተና ኣኸቲሉ ብዘሎ፤ እገዳ ምንቅስቓሰድ ብፍላይ ንድኻታት" ይቕሬታ ክሓትት እፈቱ ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ናሬንድራ ሞዲ "ኣብዚ ከቢድ ኩነታት ተዓዊትና ንኽንወጽእ ከበድቲ ስጉምትታት ክንወስድ ግድን ኮይኑ" ክብል ኣረዲኡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዝያዳ ነቶም ካብ ህንዲ ወጻኢ ዝነበሩ ዜጋታት ሃገሩ ብዙሕ ዝተገደሰ ይመስል። ፍሉይ በረራታት ኣየር ብምቕራብ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ገይሩ'ዩ።

"ቅልውላው ኣብ ዘጓንፈሉ እዋን ናብ ሃገርካ ምምላስ ዝተለመደ እዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተዓጸዉ ህንዳውያን ተምሃሮ፣ በጻሕቲ ዓዲ፣ ሃይማኖታዊ መገሻ ዝገበሩ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተደኣ ድልዮም ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ሰራሕተኛታት'ውን ከምኡ ክገብሩ ግድን'ዩ።

ናብ ዓዶም ክምለሱ ይደልዩ እዮም። ንኻልኦት ናብ ዓዶም ብእግሮም ክጓዓዙ እናገበርካ ንኻልኦት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ነፈርቲ ምልኣኽ ኣይጽቡቕን" ክብል መስራትን ኤዲትርን ዘ ፕሪንት ሼካር ጉፕታ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

ህንዲ ኣብ ቅድሚኣ ክልተ ዓበይቲ ዓንቀፍትን ፈተንትን ኩነታት ይጽበይዋ። እቲ ሓደ እቲ ዝሕለፈቶ እገዳ ምንቅስቓስ ክፍጸም ኣብ ምግባር ዘጋጥማ ክኸውን ከሎ እቲ ካልእ ከኣ ድኻታትን ገዛ ዘይብሎምን ዜጋታታ ጉድኣት ከይበጽሖም ክትገብር ምኽኣል'ዩ።