ዘቤታዊ ጥቕዓት 'ብዘሰንብድ' መጠን ከምዝወሰኸ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ኣብቲ ኣብ እዋን እገዳ ምንቅስቓስ [ኣብ ገዛኻ ምውዓል] ዝተረኣየ "ዘሰንብድ ወሰኽ ዘቤታዊ ጾታዊ ጥቕዓት"፡ መንግስታት ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዑ።

ንሱ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝካየዱ ውግኣት ተኹሲ ደው ክብል ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን፡ ዓመጽ ኩሉግዘ ኣብ ዓውደ ውግኣት ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

"ብዙሓት ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን ኣብቲ ድሕንነተን ውሑስ ክኾነሉ ዝግባእ ገዝአን ዝፍጠር ስግኣት፡ ወሲኹ'ሎ" ኢሉ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተርኣየሉ ግዘ ጀሚሩ ብስልኪ ዝቐርቡ ጥርዓናት ዘቤታዊ ጥቕዓት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ኣብ ከም ሊባኖስን ማሌዥያን ዝበላ ሃገራት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብ ቻይና ድማ ብሰለስተ ዕጽዊ ወሲኹ'ሎ።

ኣብ ኣውስትራልያ ድማ ንዘቤታዊ ጥቕዓት ሓገዝ ንምርካብ፡ ብጉግል ዝግበር ኣለሻ ['ሰርች'] ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ብዝለዓለ መጠን ሎሚ ወሰኽ ተራእዩ።

እቲ ዘቤታዊ ጥቕዓት፡ ኮሮናቫይረስ ብዘኸተሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸቕጥታት ከምዝተጓሃሃረ፡ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ተዛሪቡ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ ፖሊስን ጉጅለታት ማሕበራዊ ንጥፈታታትን፡ ሙሉእ ቀልቦም ናብቲ ሕማም ስለዝገበሩ ድማ፡ እተን ግዳያት ጥቕዓት ሓገዝ ከይረኽባ ምግባሩ ኣረዲኡ።

ንግዳያት ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጸሙ ጥቕዓት ዘዕቑባ ዝበዝሓ ትካላት'ውን፡ ስረሐን በቲ እዋናዊ ኩነታት ከምዝተጸለዋን፡ ካልኦት ድማ ከምዝመልአን ይግለጽ።

እቲ ዋና ጸሓፊ "ኩላትና ነቲ ካብ ኲናት ዝካየደሉ ከባቢ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ መንበሪ ገዛ ዝፍጸም ጥቕዓት ክንከላኸሎ ንኽእልን ኢና፤ ይግባእ እውን" ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።