ኮሮናቫይረስ፡ ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ከመይ ተዳልያ?

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ምስ ተረኸበ፡ ዝተፈላላዩ ናይ መከላኸሊ ስጉምታት ክውሰዱ ጀሚሮም'ዮም።

ካብዚኦም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ ኮነ ኢትዮጵያውያን፡ ብናይ ባዕሎም ወጻኢ ን14 መዓልታት መንግስቲ ፈልዩ ኣብ ዘዳለዎም ሁቴላት ክጸንሑ ዝብል መምርሒ ይርከቦም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት እትርከብ ሽማ ክጥቀስ ዘይፈቐደት ወሃቢት ርኢይቶ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣካፊላትና።

ካብ ኤውሮጳ ብናይሮቢ ኣቢላ ካብ እትመጽእ ቁሩብ መዓልታት ከም ዝኾና እትዛረብ እዛ ወሃቢት ርኢይቶ፡ ናብ ኢትዮጵያ ንምምጻእ ዘድልያ ወጻኢ ነፋሪት 1630 ዩሮ ከም ዝኸፈለት ትዛረብ።

ናብ ኢትዮጵያ ክትመጽእ እንከላ፡ መንግስቲ ዘዳለዎ ሕሱር ሆቴል ኣሎ ድዩ የለን ዝብል ነገር ኣይተሓበረንን ብምባል፡ ሆቴል ስካይ ላይት ኣዝዩ ኽቡር ምዃኑ ትገልጽ።

እቲ ቫይረስ ንምልክኻል ዋላ'ኳ ኣካላዊ ርሕቀት ንምሕላው ሓደ ኣገባብ መከላኸሊ እንተኾነ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝርአ ዝነበረ ምጽግጋዕ ሰባት ግን ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን ትብል።

መዓልታዊ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ናብቲ ሆቴል ብምኻድ ቅምሶ ደም ከም ዝወስዱን፡ ኣብ ምምሕዳር እቲ ሆቴል ብዙሕ ሰብ ስለ ዘሎ ምጭንናቕ ኣሎ'ዩ ኢላ።

ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ንምክልኻል እትገብሮ ዘላ ምድላው እንታይ ይመስል ኢልና ዝሓተትናዮ ኣብ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ዳይሬክተር ጀነራል ኣገልግሎት ሕክምና ኣቶ ያእቆብ ሰማን፡ ካብ ደገ ዝመጽኡ ሰባት ተፈልዮም ዝጸንሑሎም 8 ሆቴላትን ገለ ኣብያተ ትምህርትን መሪጽና ኣዳሊና ኣለና ኢሉ።

እዚኦም 5 ሽሕ ዝኸውን ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ዝዛረብ ኣቶ ያቆብ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት እዞም ማእከላት ክሳብ 21 ሽሕ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ክህልዎም ከም ዝግበር ሓቢሩ።

ምልክት እዚ ሕማም ንዘርእዩን ኮሮናቫይረስ ምስ ዘለዎ ሰብ ምርኻብ ዝነበሮም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ሰባት ዝተዳለው 1200 መደቀሲ ዓራት ከም ዘለው የረድእ።

ብምኽንያት እዚ ቫይረስ፡ ከቢድን ቀሊልን ምልክታት ንዘርአሳዩ ዝተዳለው ንምስትንፋስ ዝሕግዙ 343 መሳርሒታት [ሜካኒካል ቬንትሌተርስ] ዝተዳለው ኮይኖም፡ ካብዚኦም እቶም 301 ብዝግባእ ከም ዝሰርሑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

19 ንምስትንፋስ ዝሕግዙ መሳርሒታት ድማ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ተቓላዕነት ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ዝተፈለየ ቦታ ድሉዋት ከም ዝኾኑ ዝዛረብ እቲ ዳይሬክተር፡ ሓደ መሳርሒ ድማ ናብ ሃረር ከም ዝተልኣኸ ገሊጹ።

ኣቶ ያቆብ፡ ሓድሽ ዝተዓደጉ መሳርሒታት ከም ዘለው'ውን ይገልጽ።

ካብዚኦም እቶም 11 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኮተቤ ኤካ እንትኣትው፡ ምስ ዓራት ተገጢሞም ድሉዋት ኮይኖም እዮም ኢሉ።

ካልኦት ሸሞንተ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝተገጠሙ ብምሕባር፡ ካብዚኦም ሓደ ጥራሕ ናብ ክልል ሃረር ተላኢኹ ኣብ ሆስፒታል ፋና ክግጠም ከም ዝተገበረ ኣብሪሁ።

"ተሞኩሮ ካልኦት ሃገራት ምስ እንርኢ፡ እዚ ሕማም ኣበየናይ ቦታ ከም ዘጋጥም ኣይፍለጥን፤ ስለዚ ክሳብ ሕጂ መጽናዕቲ እናገበርና ንሰርሕ ኣለና። ይኹን'ምበር፡ ኣዲስ ኣበባ ልዑል ተቓላዕነት ዘለዎ ከተማ እዩ ኢልና ወሲድና ኣለና" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ክልላት'ውን ሙሉእ ናይ ሕክምና ማእከል ኣዳልየን ኣብ ቀረባ ክውግና ትጽቢት ከም ዝግበር ኣቶ ያቆብ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሰባት 16 በጺሑ ኣሎ።