ጣልያን፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 475 ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም

ኣብ ጣሊያን ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ 475 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ጣልያን በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 3000 ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ መጠን ሞት ድማ ዛጊት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ጣልያን 35,713 ሰባት በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ እቶም ልዕሊ 4000 ሙሉእ ንሙሉእ ክድሕኑ ክኢሎም።

ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ ደረጃ ዝተጠቕዐት ዞባ ሎምባርዲ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 319 ሰባት ሞይቶምዋ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዝሓለፈ ዓመት [2019] ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ጀሚሩ፡ ጣሊያን ካብ ቻይና ቀጺላ ብከቢድ ሃሰያ ዝወረዳ ሃገር እያ።

ጥልያን፡ ዳርጋ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ተውሽቦ እትርከብ ኮይና፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ እንተተነግረ'ውን ብዝሒ መወትቲ ግን ይወስኽ ኣሎ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ምትንኻፍ ሰባት ክድረት ካብ ምግባር ጀሚሩ፡ ዓበይቲ ዋዕላታት ክሳብ ምስራዝ ዝበጽሐ ስጉምቲ ወሲደን'የን።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝርግሐ'ኸ?

ስፔን፡ 13,716 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፤ 598 ድማ ሞይቶም።.

ኣብ ፈረንሳ፡ ብሰሉስ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ብ 16 ሚኢታዊት ሓፍዝበለ ኮይኑ፡ 7,730 በጺሑ። ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠመ ሞት 175 ሰባት ድማ፡ ዕድመ እቶም 7 ሚኢታዊት ትሕቲ 65 ዓመት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ብሪጣኒያ ክሳብ ሕጂ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ 104 ምዃኖም ይግለጽ።

ጀርመን ብዝሒ በቲ ቫእረስ ዝተለኸጹ ሰባት 8198 ክኸውን ከሎ፡ 12 ሞት ኣጋጢሙ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል፡ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ "ካብ ዳግም ውህደት ጀርመን፡ ብሱሩ'ውን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ክንድ'ቲ ናይ ሕጂ ብሓድነት ምውፋር ዘድልዮ ብድሆ ገጢሙና ኣይፈልጥን" ኢላ።

ኣብ ቤልጅም፡ 1,486 ሰባት ብዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ኮይኖም 14 ሰባት ድማ ሞይቶም።

በዚ ምኽንያት፡ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ን30 መዓልታት ዶባተን ክዕጾ ወሲነን።

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻእ ዝመጽኡ ተጉዓዝቲ ድማ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርትን ዶባትን ተመሊሶም።