እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሃገራት ኤዥያ ዳግም ብኮሮናቫይረስ ይጥቅዓ ኣለዋ
ደቡብ ኮርያ፣ ቻይናን ሲንጋፖርን ካብተን ንኻልኣይ ግዘ ብኮሮናቫይረስ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ኤዥያ እየን።
እዚ፡ ነቲ ቫይረስ ሒዞም ካብ ደገ ብዝመጽኡ ዘለው ሰባት ዘጋጥመን ዘሎ ከም ዝኾነ እንትግለጽ፡ እቲ ቫይረስ ቀዲሙ ዝተርኣየላ ቻይና፡ ንፈለማ እዋን ሎሚ ሓድሽ ዘቤታዊ ግዳይ እቲ ቫይረስ ከም ዘይረኸበት ገሊጻ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ቀረባ ናብ ቻይና ካብ ዝኣተው ሰባት እቶም 34 ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ'ዮም ኢላ።
ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁበይ ሸሞንተ ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም ኣብ ውሃን ዝነበሩ'ዮም።
ደቡብ ኮርያ ሎሚ ሓሙስ ጥራይ 152 በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከም ዘለው እንተገለጸት'ውን፡ ክንደየኖት እዮም ካብ ደገ ዝመጽኡ ዝብል ኣይተነጸረን።
ብሮቡዕ ሲንጋፑር፡ 47 ሓደሽቲ ሕሙማት ከም ዝመዝገበትን እቶም 33 ካብ ደገ ዝመጽኡ ከም ዝኾነኑን ገሊጻ።
ሰለስቲአን ሃገራት፡ ዘቤታዊ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣብ ምዕጋት ዕውት ስራሕ'ኳ እንተሰርሓ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ስግኣት እቲ ቫይረስ ግን፡ ነቲ ናተን ለውጢ ጽልዋ ከየሕድረሉ ይስጋእ።
ሕጂ፡ ዋላ'ኳ እቲ ቆላሕታ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤዥያ'ውን ግን እዚ ስግኣት ገና እዩ ዘሎ።
ማሊዢያ፡ "ንነብስኹምን ስድራኹምን ንምሕላው ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ" ክትብል ንህዝባ ተማሕጺና።
እታ ሃገር 710 ግዳያት እዚ ቫይረስ ዘለውዋ ኮይና፡ መብዛሕቲኦም ብለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝነበረ ሓደ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ዝነበሩ ምዃኖም ይግለጽ።
"ሰንሰለት ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምብታኽ ዘላትና ዕድል ቀጣን'ያ። ውድቀት ምርጫ ኣይኸውንን። 'እንታይ'ሞ' ዝብል ርድኢት ሒዝና እንተቐጺልና፡ ካብ ሱናሚ ዝኸፍአ ሓደጋ ክወርደና'ዩ" ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ጥዕና ማሌዢያ ኑር ሂሻም ዓብዱላህ ኣጠንቂቑ።
ብደረጃ ዓለም፡ መዓልታዊ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝትሓዙ ሰባት ይንህር'ዩ ዘሎ፤ 215,955 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 8,749 ሰባት ሞይቶም።
80 ሚኢታዊት እዚ ምዕባለ ኣብ ኤውሮጳን ንኤዥያ ኣብ ዝሓውስ ዞባ ምዕራባዊ ፓስፊክ ከም ዘጋጠመ ትካል ጥዕና ዓለም ገሊጹ።