እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተወሸቡ መራሕቲ ሃገራት መነ መን እዮም?
እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ዝጀመረ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ንዓለምና ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ሸሚሙዋ ይርከብ።
እዚ ቀታሊ ሕማም ንፍሉጣት መራሕቲ ሃገራትን መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ኣይነሓፎምን።
ኣብዚ ሰሙን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ተመርሚሩ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ተረጋጊጺ እዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ መርመራ ክገብር ዘገደዶ፡ ንጉጅለ ልኡኽ ብራዚል ኣብ ፍሎሪዳ ረኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ'ዩ።
እንተኾነ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ተረኺቦም እዮም።
መራሒ ናይቲ ጉጅለ፡ ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ ከኣ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ፡ ካብቲ ሕማም ነጻ ኮይኑ ተረኺቡ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ
ባዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፋ ብምጽናሓ ኣብ ገዝኣ ተወሺባ ትርከብ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ነብሰ-ውሸባ ገይሩ ከምዘሎ ተገሊጹ። ክልቲኦም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።
ክልተ ካቢነ ሚኒስተራት ስጳኛ'ውን በዚ ሕማም ተለኺፎም ኣለው።
ዓባይ ብሪጣንያ
ሓንቲ ሚኒስተር ጥዕና በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፈት ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን፡ መርመራ ክገብር ንዝቐረበሉ ጻውዒት ጸማም እዝኒ ሂቡዎ ኣሎ።
እታ ሚኒስተር ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ብጸይቱን ኣብ ቤትጽሕፈቱ ተራኺባ ነይራ እያ።
ካናዳ
በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ሶፊ ግሪጎሪ ብኮሮና ቫይረስ ከም ዝተታሕዘት ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ቱሩዶ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት እቲ ሕማም ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከብን እኳ እንተሓበረ፡ ን14 መዓልታት ግን ንነብሱ ኣግሊሉ ክጸንሕ እዩ። መርመራ ክገብር ግን መደብ የብሉን።
ኣውስትራልያ
ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ኣውስትራልያ ፒተር ዱቶን እቲ ሕማም ከምዝጸንሖ ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ማሪሶን ግን፡ ብሓካይም መርመራ ክገብር ዋላ እንተ ተሓበሮ፡ ዛጊት መርመራ ኣይገበረን።
እዚ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ ዘሎ ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እዋን ንኣመሪካ ተጓዒዙ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኢራን
ኢራን፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ናይቲ ቫይረስ ዝተራእየለን ሃገራት ኮይና፡ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ኣባላት ባይቶ፡ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣባላት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራን በዚ ሕማም ተለኺፎም ኣለው።
ካብዚኦም ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ሞይቶም ኣለው። ትማሊ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ኣማኸርቲ ኣያቶላ ከመኒ በቲ ሕማም ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
ኢጣልያ
ሓንቲ ካብተን እቲ ለበዳ ከቢድ ሃስያ ዘውረደለን ሃገራት ኤውሮጳ ኮይና፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ናብ 20,000 ክብ ኢሉ።
ዛጊት በዚ ሕማም ልዕሊ 1,800 ሰባት ሞይቶም ኣለው። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ሓደ መራሒ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ በቲ ሕማም ተኺፉ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፕ ኮንተ ነቲ ሕማም ኣይተቓልዐን ዘሎ።