እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክሳብ 200 ቕርሺ በጺሑ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማስኬራ [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዋግኡ ሰማይ ተሰቒሉ ተባሂሉ።
ገለ ሰባት ድማ፡ ኣብ መደብራት መድሓኒት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ደልዮም ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ይዛረቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ሰብ ብኮሮና ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ዕላዊ ምስተገበረ፡ ሰባት ሰጊኦም ኣለዉ ክብሉ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሪፖርተራት ቢቢሲ ይገልጹ።
ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንምግዛእ ክጓየዩ ከምዝተዓዘቡ'ውን ይዛረቡ።
እንተኾነ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ'ውን ንጽህና መሐለዊ ፈሳሲ (ሳኒይታይዘር) 'ከም ዝደለኻዮ ኣይርከብን' ይብሉ ነበርቲ።
እንተተረኸበ'ውን፡ ዋግኡ ሰማይ ከምዝዓረገ እዮም ዝዛረቡ።
ኣደ ክልተ ቖልዑ ነባሪት ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ መብራት ኣስቻለ "ሰብ ኩሉ ይገዝእ ኣሎ፡ ኣነ ድማ ንባዕለይ ኮነ ንደቀይ ማስኬራ ክገዝእ ናብ ዝተፈለለዩ መደብራት መድሓኒት ከይደ ክረክብ ኣይከኣልኩን" ኢለን።
ወይዘሮ መብራት፡ ጎረባብተን ነቲ ማስኬራ ክሳብ 200 ቕርሺ ከምዝዓደጉ ይዛረባ።
ንሰን ክንድዚ ከውጸኣ ዓቕመን ኣይፈቐደለንን።
መንግስቲ፡ ነቲ ኹነታት ተበሊጾም ኣብ ኣቕሑት ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ፡ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ እዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ተደላይነት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምዝወሰኸን ብሐፈሻ ክሳብ 89 ሚልዮን ማስኬራ ከምዝድለን ገሊጹ።
እቲ ትካል ከምዝብሎ፡ ኩሉ ሰብ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ማስኬራ ክገብር ኣይግደድን።
በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈን፡ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ምስ ዝተጠርጠረ ሰብ ቅርበት ዘለዎን ግና መሸፈኒ ክገብር ኣለዎ።
ብቐንዱ ግን በብእዋኑ፡ ኢድካ ብሳሙና ምሕጻብን ጽሬትካ ምሕላውን ከምኡ ድማ ኣልኮል ዝሓዘ [ሳኒታይዘር] ክጥቀሙን ይግባእ።