እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ሓደ መዓልቲ 97 ሰባት ቐዚፉ
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓደ መዓልቲ 97 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ተቐዚፎም። እቲ ቫይረስ ካብ ዝነቅል ጀሚሩ ኣብ መዓልቲ ክንድዚ ሰብ ክቐትል ንፈለማ አዋን እዩ።
ዛጊድ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ቻይናውያን ብሓፈሻ 908 በጺሑ ኣሎ።
እንተኾነ መዓልታዊ ምልባዕ እቲ ቫይረስ እናነከየ ከም ዝመጽአ እዩ ዝዝረብ።
ኣብ መላእ ቻይና ዛጊድ፡ 40,171 ሰባት ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 187,518 ድማ ጥቡቕ ሕክምናዊ መርመራ እናተገበረሎም ይርከብ።
ወድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ቫይረስ ንምግታእ ዝሕግዝ ሓደ ጋንታ ንቻይና ሰዲዱ ኣሎ።
ካብ ቻይና ዝተረኽበ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፡ ዛጊድ 3,281 ሰባት ጥዕዮም ካብ ሆስፒታል ወጺኦም ተባሂሉ።
ሎሚ ሰኑይ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበሩ ቻይናውያን ናብ ስራሕ ተመሊሶም።
እቲ በዓል፡ ንምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ንምግታእ ክበሃል እዩ ካብ 31 ጃንዋሪ ጀሚሩ ክናዋሕ ተገይሩ ነይሩ።
እንተኾነ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ሰዓታትን ካልኦት ምጽቓቓጥ ዝበጽሖም ናይ ስራሕ ቦታታትን ዝተቐመጡ መጠንቀቕታት ብዝምልከት ሕዚ'ውን ኣብ ቦትኦም እዮም ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ቁጽሪ በዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝሃለቑ ሰባት፡ እቲ ቅድም ክብል ኣብኡ ኣብ ቻይና ተኸሲቱ ብዝነበረ ሕማም ሳርስ ዝሞቱ ሓሊፉ። ብሕማም ሳርስ፡ 774 ሰባት እዮም ሞይቶም።
ኮሮና ቫይረስ ዛጊድ ካብ ቻይና ሓሊፉ፡ ኣብ 27 ሃገራት ዝተርአየ ኾይኑ፡ እንተኾነ ዛጊድ ካብ ቻይና ወጻኢ ክልተ ሰባት ጥራሕ እዮም በቲ ቫይረስ ሞይቶም ተባሂሉ።