እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓዲ እንግሊዝ፡ ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክልተ ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ሰብመዚ ጥዕና ኣረጋጊጾም።
እቶም ግዳያት ናይቲ ቫይረስ ካብ ሓደ ስድራቤት ምዃኖም ዝገለጹ እቶም ሰብመዚ፡ ኣብ ከተማ ዮርክ፡ 'ስተይሲቲ' ኣብ ዝተባህለ ሆቴል ከም ዝጸንሑን፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ሓደ ኣብ ከተማ ኒውካስል ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
ክልቲኦም ድሕሪ ዝተገበረሎም መርመራ፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተታሕዙ ተረጋጊጹ ክብል ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኢንግላንድ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካብታ ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ምዃና ትግለጽ ዘላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝወጹ 83 ዜጋታት ብሪጣንያን፡ 27 ወጻእተኛታትን ዝሐዘት ነፋሪት ኣብ ብሪጣንያ ኣትያ'ላ።
ኩሎም እዞም ካብ ከተማ ዉሃን ዝኣተዉ ተጓዓዝቲ፡ ን14 መዓልታት ኣብ ዊራል ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሺቦም ክጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ ለበዳ ቫይረስ፡ ዚጊት ኣብ ቻይና 213 ክቐትል እንከሎ፡ ኣስታት 10 000 ካልኦት'ውን ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብ ካልኦት 20 ሃገራት'ውን ኣስታት 100 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኢንግላንድ፡ ፕሮፌሰር ክሪስ ዊቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንነት ናይቶም በቲ ሕማም ከም ዝተታሕዙ ክልተ ሰባት ተሰቲሩ ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ነቶም ምስቶም ዝተለኽፉ ሰባት ርክብ ዝገበሩ ኩሎም ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ'ውን ጠቒሱ።
እቲ ለበዳ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ክረአ ከም ዝኽእል ዝተጸበይዎ ምዃኑ ዝገለጸ ፕ/ር ዊቲ፡ ዘድሊ ምድላዋት ጌሮም ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።