እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይላንድ፡ እቲ ቐታሊ ተቐቲሉ
ኣብ ከተማ ናኮን ራቺስማ ዕስራን ሽድሽተን ሰባት ዝቐተለ ታይላንዳዊ ወተሃደር፡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትለ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ ጃክራፋንዝ ቶማ ዝተባህለ ወተሃደር ንሓላፊኡ ብምቕታል እዩ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣጽዋር ወሲዱ።
ኣብ ዓብዩ ማእከል ዕዳጋ ኣልማማ ተኹሲ ብምኽፋት 26 ሰባት ቀቲሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሑዎ። ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ታይ ኮንቺፕ ታንትራዋኒት "ምናልባት ተጸሊሉ ክኸውን ይኽእል እዩ እምበር ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ርዱእ ኣይኮነን" ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ምኒስተር ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ቐታሊ ብፖሊስ ስለዝተቐትለ፡ ኣብ ፈይስ ቡክ ሓጎሱ ገሊጹ። ንፖሊስ እውን ዮሃና ኢሉዎም።
በቲ ፍጻሜ 26 ሰባት ክሞቱ እንከለው 42 ካልኦት ከኣ ከቢድን ፈኲስን መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ወዲ 32 ዓመት ቐታሊ ብድሕሪ እቲ ሰባት ዝቐተለሉ ህንጻ ክሃድም ፈቲኑ ነይሩ እዩ። ግን ኣይሰለጦን።
ኣዲኡ ከኣ ኢዱ ክህብ መታን ክተእምኖ ተጸዊዓ ናብቲ ቦታ መጺኣ ምንባራ ፖሊስ ሓቢሮም።