ትራምፕ ካብ ዝቐረበሉ ክሲ 'ኢምፒችመንት' ነጻ ተባሂሉ

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ካብ ዝተጀመረ ክሲ 'ኢምፒችመንት' ነጻ ተባሂሉ።

እቲ ብናቱ ፓርቲ፡ ሪፐብሊካን፡ ዝዕብለል ሰኔት፡ ካብቲ ቀሪቡሉ ዝነበረ ክሲ ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም 52 ን 48 ብዝኾነ ድምጺ፡ ስራሕ ኮንግረስ ምትዕንቓፍ ድማ 53 ን 47 ብዝኾነ ድምጺ ነጻ ኢሉዎ ኣሎ።

ኣብቲ ምሃብ ድምጺ ሓደ ኣባል ሪፐብሊካን ጥራሕ እዩ፡ ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም ኣብ ዝብል ነቲ ክሲ ደጊፉ።

ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ብባህሪ እቲ ፕረዚደንት ዘይሕጎሱ ኣባላት ሪፐብሊካን እኳ እንተሃለዉ፡ ክባረር ኣለዎ ክሳብ ምባል ዝበጽሕ ግን ኣይኮነን።

ኣባላት ውድብ ዲሞክራት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ: ዩክሬን ንተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ብክሲ ብልሽውና ንምጽላም ክትሕግዞ ጸቕጢ ገይሩላ፡ ብዝብል እዮም ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ከሲሰምዎ።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ዝተብሃለሉ ውሳነ፡ እቲ ሰኔት ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ዩክሬን ብዝዛመድ ጉዳይ ካብ ስልጣኑ ከይእለ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ክሲ ተቐባልነት እንተዝረክብ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ስልጣኑ ንምክትሉ ማይክ ፐንስ ኣረኪቡ እዩ ንዋይት ሃውስ ክሰናበት ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ተኸሲሱ ኣብ ካልኣይ ዙር መረጻ ዝወዳደር ፈላማይ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ።

ንኩሎም ዝቐረቡሉ ክሲታት ክነጽጎም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ''ትራምፕ ነጻ ወጺኡ ኣሎ። ሕዚ ናብ ዕማም ህዝቢ ኣመሪካ ዝምለሰሉ ሰዓት እዩ፤ እቶም ሓንቲ ስራሕ ዘይሰርሑ ደሞክራት ክስዕርዎ ስለዘይክእሉ ከሲሶምዎ" ዝብል ወፍሪ ዳግማይ ምረጹኒ ጀሚሩ ኣሎ።