እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሚተ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ንዝቐረበ ክሲ ኣጽዲቑ
ቀዋሚ ኮሚተ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረቡ ክልተ ክሲታት 'ኢምፒችመንት' ኣጽዲቑ ሙሉእ ድምጺ ናብ ዝወሃበሉ ቤት ምኽሪ ኣሕሊፉዎ።
እቲ ኣባላት ዲሞክራት ዝደገፍዎን ሪፐብሊካን ዝተቓወምዎን ክሲ፡ ኣብቲ ብዲሞክራት ዝዕብለል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ድምጺ ክወሃበሉ እዩ።
ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፕረዚደንት ትራምፕ 'ኢምፒችመንት' ዝቐረበሉ ራብዓይ ፕረዚደንት እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ክሲ ናይ 'ሓሶት' ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ትማሊ ዝቐረበሉ ክሲ ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ምጥቃምን ምዕፋን ኮንግረስን፡ ብ23 ድጋፍን 13 ተቓውሞን ጸዲቑ እዩ።
እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ መናሓንሕቱ ጆ ባይደን ናይ ግዕዝይና ምርመራ ክግበር ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ጸቕጢ ገይሩ ዝብል እዩ።
እቲ ካልአዋይ ክሲ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ምርመራ ኣይተሓባበርን ብምባል ስራሕ እቲ ኮንግረስ ኣተዓናቒፉ ዝብል እዩ።