እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኢምፒችመንት'፡ ባይቶ ኣመሪካ ንትራምፕ ንምእላይ ዘቕረቦ ክስታት ን'ሰኔት' ኣረኪቡ
ታሕተዋይ ባይቶ ኣመሪካ፡ ነተን ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዘቕረበን ክልተ ክስታት ንላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰኔት) ኣረኪቡ።
እቲ ትማሊ ዝሓለፈ ውሳነ ናይ 228 ኣባላት ደሞክራስያዊ ሰልፊ ደገፍ ክረክብ እንከሎ፡ 193 ሪፓብሊካውያን ተቓዊሞሞ።
ኣፈኛ ታሕዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፐሎሲ ምስ ካልኦት ሓገግቲ ኣካላት ሰልፊ ደሞክራሲ ብምዃን ነቲ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝተኸሰሰሉ ኣንቀጻት ፈሪሞቶ።
እቲ ቀንዲ ክሲ፡ ትራምፕ፡ ንስም ናይቲ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቀንዲ መቀናቕንቱ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ጆ ባይደን ንምጽላም፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ጸቕጢ ጌሩን፡ ነታ ሃገር ዝወሃብ ወታሃደራዊ ሓገዝ'ውን ዓጊቱ ዝብል'ዩ።
እቲ ካልኣይ ክሲ ድማ፡ ባይቶ ነቲ ቀዳማይ ክሲ ንምጽራይ መርመራ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እቲ ፕረዚደንት ክዕንቅፎ ፈቲኑ ይብል።
መበገሲ ናይቲ ጉዳይ፡ ወዱ ንምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን፡ ኣብ ሓደ ናይ ዩክሬን ኩባንያ ናይ ስራሕ ቦታ ምርካቡ፡ ዩክሬን ናይ ብልሽውና መርመራ ከተካይደሉ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ነቲ ወታሃደራዊ ደገፍ ከም ዘይትረክብ ዘስምዕ ዘረባ ትራምፕ ባዕሉ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ምዝራቡ'ዩ።
እዚ ድማ፡ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ንፖለቲካዊ ናይ ምርጫ ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ተጠቒሙሉ ዝብል ክሲ ኣስዒቡሉ። እቲ ወታሃደራዊ ደገፍ ግን ጸኒሑ ንዩክሬን ተዋሂቡ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ተዓብሊሉ ዝርከብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ትራምፕ ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ይፍለጥ።
መስርሕ ምእላይ 'ኢምፒችመንት'
ብሰልፊ ሪፕብሊካን ዝተዓብለለ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት)፡ ነቲ ብታሕተዋይ ባይቶ ዝተጻሕፈሉ ክስታት ክሰምዕን ክማጐትን እዩ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ ዝጅምር ክርክር ንሳምንታት ክቕጽል ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብቲ ዝኽፈት መጋባእያ፡ ሓደስቲ መሰኻኽር ክጽውዑ መደብ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ።
ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበረ ጆን ቦልተን ምዃኑ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣሻቒልዎ ኣሎ።
ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ኩሎም ኣባላት ናይቲ ሰኔት፡ ከም ሓገግቲ ዘይኮነ ከም ፈረድቲ ኮይኖም'ዮም ክሳተፉ። እቲ ዝህብዎ ውሳነ ድማ ሕጋዊ ብዪን ከም ዝኾነ'ዩ ዝቑጸር።
ኣብ መወዳእታ ንትራምፕ ካብ ስልጣን ክኣልይዎ ድዮም ወይ ናጻ ክብልዎ ክውስኑ እዮም።
ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፕሎሲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ መስርሕ ታሪኻዊ ምዃኑ ገሊጻ።
እቲ ክስታት ናብ ሰኔት ምስ ተመሓለለፈ ድማ፡ መራሒ ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ሚች ማኮነል፡ እቲ መርመራ ንሰሉስ ከምዝጅምሮ ሓቢሩ'ሎ።
እዚ ብላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ ዝግበር መርመራ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ንሳልሳይ ግዜ ክኸውን እዩ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ላዕለዋይ ባይቶ ብደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ብዝኾኑ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝተዓብለለ ብምዃኑ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ገበን ናጻ ክብልዎ ልዑል ተኽእሎታት ከምዘሎ ይግለጽ።