ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተጠርጠሩ እቲ ሓደ "ኣብ ከተማ ኣክሱም ተረኺቡ"

ኮሮና ቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

ኢንስቲትዪት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጡ።

ካብዞም በዚ ቫይረስ ዝተጠርጠሩ እቶም ሰለስተ ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፡ እቲ ሓደ ድማ ቻይናዊ ምዃኑ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት በዚ ቫይረስ ተጠርጢሮም፡ ኣብ መወሸቢ ንክፀንሑ ምስተገበረ፡ ናይ ደሞም ቅምሶ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተላኢኹ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ምርመራ ውፅኢቶም ካብ ኮሮናቫይረስ ናፃ ስለዝኾነ ግና፡ ካብቲ ዝፀንሕሉ መወሸቢ ንክወፅኡ ተገይሩ።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ኤባ ኣባተ
መግለጺ ስእሊ, ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ኤባ ኣባተ

እቲ ኢንስቲትዩት ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ በዚ ሕማም ካብ ሞንጎ ዝተጠርጠሩ እቲ ሓደ ኣብ ኣክሱም ዝርከብ እንትኸውን፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቦሌ ጨፌ ኣብ ግዝያዊ መፅንሕን መመርምርን ማእኸል (መወሸቢ) ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ፍሊጡ።

ናይ ኣርባዕቲኦም ጥርጡራት ቅምሶ ደም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምልኣኽ ምድላዋት ከምዝተወገነ ድማ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ምልክት ኮሮናቫይረስ ዝተርኣዮ ውልቀሰብ፡ ባዕሉ ምልክት እቲ ቫይረስ ምስረኣየ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምስ ኣፍለጠ እዩ ክፍለ ተገይሩ።

ክሳብ 24 ጥሪ 2012 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፅኡ 47,162 ተጓዓዝቲ፡ ናይ ዋዒ መፍለይ ምርመራ ከምዝተገበረሎም ዝሓበረ እቲ ኢንስቲትዩት፡ ካብዚኦም እቶም 1,695 እቲ ቫይረስ ካብ ዝተርኣየለን ሃገራት ምዃኑ ድማ ገሊፁ።

ካብ ቻይና ዝመፅኡ ኩሎም ተጓዓዝቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝፀንሕሉ ግዘ ኣድራሽኦም ዝምዝገብ እንትኸውን፡ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝከታተሎም ጉጅለ ከምዝተጣየሸ ከኣ ተገሊፁ።

ብኮሮናቫይረስ ንዝተጠርጠሩ ተሓከምቲ ዝወስዳ ኣርባዕተ ተሽከርከርትን ክልተ ኣምቡላሳትን ከምዝተመደባ ዝገለፀ እቲ ኢንስቲትዩት፡ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ድማ፡ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ኣባ ቦሌ ጨፌ ዝርከብ ማእኸል ሕክምናን ሆስፒታል የካ ኮተቤን ተመሪፆም ኣለዉ።