'ብፍቕሪ ሓሚመ' ንዝበለት፡ ብገዛእ ፍቓዳ ክትመውት ዝፈቐዱ ዶኳትር

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ቤት-ፍርዲ ቤልጅየም፡ ንሓንቲ ብሰንኪ ፍቕሪ ስብራት ዝበጽሓ ኣብ ሆስፒታል ንኽትመውት ብምትሕብባሮም ዝተኸሰሱ ሰለስተ ዶኳትር ክሶም ኣቛሪጹ።
እታ መዋቲት፡ ብምኽንያት ዘይሰመረላ ፍቕራዊ ርክብ ክትመውት ምውሳና ስዒቡ፡ ሓገዝ ሓካይም ረኺባ እያ ሞይታ።
ክልተ ኣሕዋት እታ መዋቲት ግና፡ "ክድሕን ዘይክእል ሕማም" ንዘለዎም ሰባት ብፍቓዶም ክሞቱ ክሕገዙ ዘፍቅድ ሕጊ እታ ሃገር፤ 'ኣይተማልእን' ብምባል እየን ብጠበቐአን ተኸራኺረን።
ብተወሳኺ፡ ጉዳይ ሞት ሓፍተን ብዝግባእ ከምዘይተራእየ እየን ዝኣምና።
ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ሰዓታት ሞገት ግን እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ሓጊዞም ዝተባህሉ ሰለስተ ዶክትር ክሶም ኣቋሪጹዎ።
ኣብዚ ጉዳይ ኣሓታን ጠበቓታታን፡ ክትመውት ዝደለየት ብሰንኪ ዝፈረሰ ፍቕራዊ ርክብ እዩ ኢሎም ተኻቲዖም እዮም።
እዞም ሎሚመዓልቲ ንጎሆ ብቤት-ፍርዲ ናፃ ዝተብሃሉ ነቲ ቀታሊ መርፍእ ዝወግእ ዶክተር ጆሪስ ቫን ሆቭ፣ ናይ ኒየስ ዶክተር ዝነበረ ፍራንክ .ዲን ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ሊቭ ቲንፖንትን እዮም።
እቲ ቤት-ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ጆሪስ ቫን ሆቭ "ምኽንያታዊ ጥርጣረ ነይሩ..... ምኽንታዊ ጥርጣረ እንተነይሩ ከኣ ንረብሓ ተከሳሲ እዩ ዝውዕል" ከምዝበለ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ከባቢ ፀብፂቡ።
እቲ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ፡ 'ዝጠለበቶ ኩሉ ረኺባ እያ' ክብል እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ስቓይ-ኣልቦ ሞት (euthanasia) ኣብቲ ዕለት ከምዝትግበር ብዘይምፍላጡ እዩ ነጻ ተለቒቑ።
ስቓይ ዘይብሉ ሞትን ድጋፍ ዝተገበረሉ ርእሰ-ቅትለትን፡ ኣብ ትሕቲ ጥቡቅ ኩነታት ኣብ 2002 እዩ ኣብ ቤልጂም ሕጋዊ ኮይኑ።
ክሳብ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ዶካትር እታ ሃገር ዋላ እኳ እንተኸሰሱ፡ ዋላ ሓደ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን።
![ሶፊን ሎን [ጸጋመይቲ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/59A6/production/_110505922_belgiansisters.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, VRT
ሕጊቤልጂም፡ ስቓይ-ኣልቦ ሞት እንታይ እዩ?
ሓደ ሕሙም ህይወቱ ክተብቅዕ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ብቐዑን ምስ-ውንኡን ክኸውን ይግባእ።
እቲ ዝቐርብ ሕቶ ድማ ኣብ ዓርሰ-ፍቓደኝነት ዝተደረኸ፣ ዝያዳ ዝተሓሰበሉን ዝተደጋገመን ክኸውን ግድን እዩ።
ብመሰረት ግልጋሎት ጥዕና ህዝቢ ቤልጂየም፡ እቲ ሕማም ቀዋሚ፣ ዘይፅወርን ኣካላዊን ኣእሙራኣውን ስቓይ እንተድኣ ኣስዒቡ ማለት እውን "ብሕማም ወይ ድማ ብሃንደበት ዘጋጠመ ዘይፍወስ ፅኑዕ ሕማም እንተድኣ ኮይኑ"፡ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ፍቑድ እዩ።
እቲ ሕሙም ኣብ ቀረባ (ቶሎ) ክመውት እንተድኣ ትፅቢት ዘይግበር ኮይኑ፡ ነዚ ዝከታተል ዶክተር ንካልኣይ በዓል ሞያ ጥዕና ከማኽር ግድን እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሕሙም ንክመውት ካብ ዝሓተተሉ ጊዘ፡ እንተውሓደ ንሓደ ወርሒ ክጸንሕ ኣለዎ።
ይኹን'ምበር ቀልጢፎም ንክሞቱ ዝደልዩ ሰባት እዞም ዝተገለፁ ረቛሕታት እንተድኣ ኣማሊኦም ግና፡ ዶኳትር ድልየት ናይቶም ብገዛእ ፍቓዶም ክሞቱ ዝደልዩ ሰባት ክትግብሩ ይኽእሉ እዮም። 'ኣይማልኡን' ኢሎም እንተኣሚኖም ድማ፡ ነቲ ሕቶ ይነጽገፍዎ።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ጓል 40 ዓመት ቤልጀሚያዊት ስምይቲ ተዋዳዳሪት ፓራላምፒክ ማሪከ ቨርቮርት፡ ብገዛ ፍቓዳ ንምሟት ዘቕረበቶ ሕቶ ድሕሪ 11 ዓመት መልሲ ረኺቡ፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ህይወታ ኣብቂዓ እያ።
ኣብ ውድድር ፓራሊምፒክ 2012 ተዓዋቲት ወርቅን ብሩርን ዝኾነት ማሪከ ቨርቮርት፡ ብሰንኪ ዘይሓዊ ሕማም ጭዋዳታት፡ ኣደዳ ቀዋሚ ስቓይን መልመስትን ኮይና እያ ፀኒሓ።
እታ ጓል 38 ዓመት ታይን ነይስ፡ ብ27 ሚያዝያ 2010 ስድራኣ ኣብ ዝተረኸቡሉ እያ ብሓገዝ ሕክምና ዓሪፋ።
ኣሓት ኒየስ እውን ዋላ እኳ ከምዚ ዓይነት ስቓይ-ኣልቦ ሞት ጠቓሚ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ጉዳያት ግና እቲ ሕጊ ግልፂ ክኸውን ኣለዎ በሃልቲ እየን።

ቤልጂየም ካብ 2014 ንነዘ ኣብ ከቢድ ስቃይ ዝርከቡ ብፍቓድ ስደርኦም ንክሞቱ ክሕገዙ ደንጊጋ እያ።
ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ሓፋሽ ቤልጂየም፡ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2,357 ጉዳያት 'ስቓያት-ኣልቦ ሞት' ዝነበሩ እንትኾኑ መብዛሕትኦም ድማ ልዕሊ 60 ዝዕደሚኦም እዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







