'ጓል ኣንስተይቲ ምዃነይ ንምርግጋጽ፡ ፖሊስ ሕፍረተይ ክቐልዕ ኣገዲዶሙኒ'

ሓንቲ ኬንያዊት፡ ፖሊስ ጓል-ኣንስተይቲ ምዃና ንምርግጋጽ፡ ክዳውንታ ከተውጽእ ከም ዘገደድዋ ተዛሪባ።
ተቐባሊት ገንዘብ ኣውቶቡስ ዝኾነት ተረዚያ ሙምቢ፡ ጨሓም ብምዃና'ዩ፡ ፖሊስ ትራፊክ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ ሕፍረታ ክትቀልዕ ከም ዘገደድዋ ንቢቢሲ ቋንቋ ስዋሂሊ ተዛሪባ።
"ክልተ ኣባላት ፖሊስ መጺኦም፡ ክዳውንተይ ከውጽእ ሓቲቶሙኒ። ድሕሪኡ መርሚሮሙኒ፡ ካብኡ እንታይ ከም ዝረኣዩ ኣይፈልጥን፡ ናብቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ክፍሊ መሊሶሙኒ" ኢላ።
ንሳ፡ እቲ ኣብ ሓምለ 2018 ብሰንኪ ናይ መንነት ወረቐት ዘጋጠማ ማእሰርቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ እምሮኣ ከም ዘሎ'ያ ትዛረብ። ወረቐታ ምስ ኣርኣየት ናጻ'ያ ተለቒቓ።
ተረዚያ፡ እቲ ዘጋጠማ ተመክሮ፡ ንካልኦት ዘይንቡር ትርኢት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ውልቃ ዛንታ ብምክፋል ክትጣበቕ ደሪኽዋ'ዩ።
ከምዚ ናታ ጸገማት ዘለውን ደቀ ኣንስትዩ ክነቕሓን፡ ዝኾነ ምስርጣይ ምስ ዘጋጥመን ክሕብራን ድማ ተተባብዐን ኣላ።
ተረዚያ ሙምቢ ብዘለዋ ዘይንቡር ሆርሞን ኣብ ደቀ ኣንስትዮ ብዙሕ ዘይረአ ጭሕሚ ከምእተብቁል ገይሩዋ።
መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ ነቲ ጭሕሚ ንምእላይ ብቐጻሊ ትላጸ ስለዝነበረት ኣብ ቆርበታ ሳእቤን ኣኸቲሉላ እዩ።
"ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት፡ ምልጻይ ኣቋሪጸዮ፡ ምኽንያቱ ቆርበተይ፡ ብቐሊሉ ስለዝንቀፍን ቃንዛ ስለዝገብረለይን" ትብል።
ምልጻይ ምስ ኣቋረጸቶ ጭሕማ ክነውሕ ጀሚሩ፡ ብሰንኩ ኸኣ ካብ ሰብ ተኸዊላ ክትነብርን፡ ብለይቲ ኣስቤዛ ክትገብርን ተገዲዳ።
ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ኩነታት ኣገዲድዋ ህይወታ ክትመርሕ ከም ተሓጋጋዚት ኣውቶቡስ ከተማ (ተቐባሊት ገንዘብ) ኮይና ስራሕ ጀሚራ።
ኣብ ስራሕ እንከላ፡ ዝተፈላለዩ ፍሉይ ኩነታት ዘለውን ደቂ ኣንስትዩ ክትርኢ እንከላ፡ ተተባብዐን።
ንሳ፡ ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ጫሓማት ደቂ-ኣንስትዮ ኬንያ ኮይና፡ ኣብቲ ዘካይደኦ ኣኼባታት፡ ንናኣሽቱ ደቀ ኣንስትዩ ትምዕድን ትመክርን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







