ካስተር ሰመንያ፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ስፓርት፡ ንውሳነ ማሕበር ጉያ ዓለም ኣጽኒዕዎ

ካስተር ሰመንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጎያዪት ካስተር ሰመንያ

ፍልጥቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጎያዪት ካስተር ሰመንያ ዘለዋ ተባዕታይ ሆርሞን (ተስቶስትሮን) ካብ መወዳድርታ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ብልጫ ስለዝህባ ገደብ ክግበረሉ ብማሕበር ኣትለቲክስ ዓለም ዝተዋህበ ውሳነ፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ስፓርት ኣጽኒዕዎ።

እታ ብናይ 800 ሜትሮ ውድድር እትፍለጥን ተዓዋቲት ኦሊምፒክን ዝኾነት ካስተር፡ ንውሳነ ናይቲ ማሕበር ስለዘይተቐበለቶ'ያ ይግባይ ኢላ ነይራ።

ብመሰረት እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን፡ ማሕበር ኣትለቲክስ ዓለም ንመጠን ናይቲ ሆርሞን ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ገደብ ክገብረሉ መሰል ክህልዎ ዝገብር'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ናይ ይግባይ ብይን ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ "እቲ ማሕበር ንዓይ ብፍሉይ'ዩ ክጠማመተኒ ጸኒሑ" ኢላ።

"ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣይ ኤ ኤ ፍ ንድሕሪት ክጎተኒ'ዩ ክፍትን ጸኒሑ፡ ይኹን 'ምበር መሊሱ'ዩ ኣሐይሉኒ። ውሳነ ናይቲ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ድማ ንድሕሪ ኣይክመልሰኒን'ዩ" ክትብል ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኣቶ መግለጺ ተዛሪባ።

"መሊሰ ንላዕሊ ብምብራኽ፡ ንንኣሽቱ ደቂ-ኣንስትዮን ኣትሌታት ደቡብ ኣፍሪቃን ዓለምን ኣርኣያ ክኸውን'የ" ኢላ።

ቅድሚ ሕጂ፡ "ከምቲ ዝተፈጠርክዎ፡ ባህሪ ብዝዓደለኒ ክጎዪ'የ ዝደሊ" ኢላ ነይራ።

በዚ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ ግን፡ ኣብ ናይ 400 ሜትሮ ውድድር ንምስታፍ፡ ንሳ እትርከበን ካልኦት ጾታዊ ፍሉይነት ዘለወን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ወይ ንመጠን ናይቲ ኣብ ኣካላተን ዘሎ ተባዕታይ ሆርሞን ንምንካይ መድሃኒት ክወስዳ ክግደዳ'የን ወይ ድማ ዝሳተፋሉ ርሕቀት ክቕይራ ኣለወን።

ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ እቲ ስጉምቲ ኣግላሊ ኮይኑ'ኳ እንተረኸቦ፡ "ንድሕነት ኣትለቲክስ ደቂ-ኣንስትዮ" ንምርግጋጽ ግን፡ "ናይ ግድን ክግበር ዘለዎን ሚዛናዊን" ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ኣተገባብርኡ ግን ስክፍታታት ከም ዘለዎ እቲ ቤት ፍርዲ ኣይሓብአን። ገለ ካብቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት ዝበሎም፡

  • ኣትሌታት ከይፈለጡ ነቲ ብማሕበር ኣትለቲክስ ዓለም ዝተወሰነ መጠን ከይሓልፍዎ
  • ብዛዕባ ልዑል መጠን ተባዕታይ ሆርሞን ነተን ኣብ 1500 ሜትሮን ልዕሊኡን ዝወዳደራ ዝህበን ብልጫታት
  • ግብራውነት ነቲ ቅጥዒ ንምምላእ ኣትሌታት ከጋጥሞም ዝኽእል ብድሆታት

እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ን1500 ሜትሮ ዝምልከት ተወንዚፉ ክጸንሕ ሓቲቱ ኣሎ።

ካስተር ሰመንያ፡ እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ጽባሕ ዓርቢ ዝካየድ ናይ ዶሃ (ቐጠር) ውድድር ክትሳተፍ ክፍቀደላ'ዩ።

ነቲ ብይን እንተድኣ ዘይተቐቢላቶ ድማ፡ ናብ ናይ ይግባይ ኣብያተ ፍርዲ ሲዊዘርላንድ ክትወስዶ ትኽእል ምዃና ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ምዝባዕ ምዕባለ ጾታ (ዲ ኤስ ዲ) ዘጋጠሞም ሰባት፡ ብፍሉይ ጾታ ኣይዓብዩን'ዮም።

ብልዕትታቶም፡ መፈጠሮምን ሆርሞናቶምን ናይ ጓልን ወዲን ባህሪ ዘለዎም ኮይኖም፡ ዝለዓለ መጠን ተስተስትሮን ክህልዎም ይገብር።

ዝለዓለ መጠን ተስቶስትሮን እንድሕር ድኣ ሃልይዎም ድማ፡ ጭዋዳታቶም ክሰፍሕ፡ ሓይሎም ክብርኽን፡ ናይ ምጽዋር ክእለት ክህልዎም ዝገብር ሆሞግሎሚን ድማ ክውስኽ የኽእሎም።

እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ 8 ግንቦት ንደሓር'ዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ተወሲኑ ዘሎ።