እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡል ሃሪን በዓልቲቤቱ ሜጋንን ስያመ ንጉሳዊ 'ልዕልነቶም' ክኣልይዎ ወሲኖም
ልኡል ሃሪን በዓልቲ ቤቱ ሜጋንን ነቲ ናይ 'ንጉሳዊ ልዕልነቶም' ስያመ ክጥቀሙ ከም ዘይክእሉን፡ ካብቲ ንጉሳዊ ማእከን ናይ ገንዘብ ድጎማ ከም ዘይረኽቡን ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ኣፍሊጡ።
እቶም ሰብ ኪዳን፡ ደጊም ወግዓውያን ተወከልቲ ናይ ንግስቲ ኣይክኾኑን እዮም።
ንሳቶም፡ ንመሀደሲ መንበሪ ገዝኦም ዝወጽአ ከባቢ 3 ሚልዮን ዶላር ክመልሱ ምዃኖም'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዚ ካብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን እቲ ቤተመንግስቲ ኣፍሊጡ።
ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ብዛዕባ መጻኢኦም ኣመልኪታ ምስቶም ሰብ ኪዳን ብሰኑይ ድሕሪ ዝገበረቶ ዝርርብ እዩ እዚ መግለጺ ወጽዩ። ሃሪን ሜጋንን ኣቐዲሞም፡ ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ካብ ዝጸንሖም ላዕለዋይ ተራ ክስሕቡ ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም።
ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዝርርብን ምይይጥን፡ ኣብ ሃናጽን ዘተባብዕን ምርድዳእ ምብጽሖም ከም ዘሐጎሳ ንግስቲ ተዛሪባ።
"ሃሪ፡ ሜጋንን ኣርችን ወትሩ ፍትዋት ኣባላት ስድራቤተይ እዮም" ድሕሪ ምባል "ተወፍዮም" ስለ ዘገልገሉን ብፍላይ ሜጋን ቀልጢፋ ምስቲ ስድራቤት ምውህሃዳ ኣመስጊና።
እቲ ቤተመንግስቲ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እቶም መሳፍንቲ ሳሴክ፡ ንጡፋት ኣባላት እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ስለዘይኮኑ፡ ነቲ ናይ 'ንጉሳዊ ልዕልነቶም' ስያመ" ከም ዘይጥቀሙ ኣፍሊጡ።
ናይ ንጉሳዊ ልዕልነቶም (ሮያል ሃይነስ) ስያመ ንገለ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝወሃብ እዩ።