ብመሳርሕቱ ተመሪዙ ንዓመታት ክሳቐይ ዝጸንሐ መንእሰይ ህይወቱ ሓሊፉ

ኣብ ጀርመን ብመሳርሕቱ መግቡ ዝተመረዘ ዉልቀሰብ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ሃለዋት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሓን ካብታ ሃገር ጸብጺበን።

እቲ ወዲ 26 ዓመት ንምሳሕ ኣብ ዝተዳለወሉ ሳንድዊች ዝተገብረ ኬሚካላት ሊድን ሜርኩርን ልዑል ናይ ኣእምሮ መጉዳእቲ ኣስዒብሉ ነይሩ።

ካልኦት ክልተ ብጾቱ'ውን ነቲ ሓደጋ ተቓሊዖም ናይ ኩሊት መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም'ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ክላውስ ኦ ዝተብሃለ ሰብ ብፈተነ ቅትለት ተኸሲሱ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ተበይንሉ ነይሩ።

እቲ ግዳይ ህይወቱ ምስ ሓለፈ ግና፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጀርመን፡ ሓድሽ ፍርዲ ከሕልፍ ከም ዝኽእል፡ ኣኽባር ሕጊ ተዛሪቡ።

እቲ ተግባር፡ ኣብ 2018፡ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ምግጥጣም ሓጻዊን ከተማ ስኮሎስ ሆልተ-ሰተከንብሮከ (ሰሜናዊ ምዕራብ ጀርመን)፡ ኣብ መግቡ ጻዕዳ ነገር ድሕሪ ምርካቡ እዩ ተፈሊጡ።

ብድሕሪ'ዚ ኣብቲ ትካል፡ ካሜራታት ክግጠም ከሎ፤ ክላውስ ኦ፡ ኣብ ናይ መሳርሕቱ ሳንድዊች ገለ ክሕውስ ከሎ በቲ ካሜራ ተሳኢሉ።

እቲ ኣብቲ መግቢ ዝተሓወሰ ሓደገኛ ኬሚካል ሊድን ሜርኩርን ምዃኑ ብመርመራታት ድሕሪ ምርግጋጹ፡ መንበሪ ገዛ ክላውስ ኦ ክፍተሽ ከሎ እቲ ኬሚካላታት ተረኺቡዎ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ፡ ዳኛ "እቲ ውልቀሰብ ብሓፈሻ ንህዝቢ ሓደገኛ ብምዃኑ እቲ ፍርዲ ክጎድል ኣይግባእን" ብምባል ውሳነ ሂቡ።

ክላውስ ኦ "ዝተፈላለዩ ኬሚካላት ንማናቲለ ክሳብ ክንደይ ተጓዳኢ ምዃኑ ይመራመር" ምንባሩ ሓደ በዓል ሞያ ስነልቦና ነቲ ቤትፍርዲ ሓቢሩ።