''ኣብ ፒዛ ዝርከብ ካሎሪ ንምጥፋእ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት ጉዕዞ እግሪ የድሊ'' ተመራመርቲ

ኣፍረይቲ ምግቢ፡ ኣብቲ ምግቢ ዘሎ ካሎሪ ንምቅጻል ክንደይ ዝኣክል ምንቅስቓስ ከምዘድሊ ኣብ መዐሸጊኡ ክገልጹ ኣለዎም ክብሉ ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጾም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ፒዛ ዘሎ ጉልበት ንምቅጻል 4 ሰዓታት፡ ቸኮላታ ድማ ናይ 22 ደቒቓ ምንቅስቓስ ከም ዘድልዮ ዝገልጽ ሓበሬታ ብምንኣድ ብዛዕባ ኣብ ምግቢ ዘሎ ጉልበት ኣፍልጦ ንምርካብ ከምዝሕግዝ ገሊጾም።

እቶም ጽሑፋት ሰባት ዓቂኖም ክጥቀሙ ከምዝሕግዙ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።

እቲ ዕላማ ሰባት ጥዑይ ኣመጋግባ ክህልዎም ብምትብባዕ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ንምክልኻል እዩ።

ተመራመርቲ ላፍቦሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብቶም ምግቢታት ዝቕመጡ ጽሑፋት ሓደ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ዝጥቀሞ ምግቢ ብገምጋም ክሳብ 200 ካሎሪ ክቕንስ ከምዝሕግዝ ገሊጾም።

ካሎሪ እንታይ እዩ?

  • ካሎሪ፡ ኣብ እንወስዶ መስተ ወይ ምግቢ ንዘሎ ትሕዝቶ መዐቀኒ እዩ።
  • መዓልታዊ ትግባራቶም ንምፍጻምን ሰብነቶም ብኣግባቡ ክሰርሕን መዓልታዊ ደቂ ተባዕትዮ 2500 ካሎሪ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 2000 ካሎሪ የድልዮም።
  • ክተቃጽሎ ካብ እትኽእል ካሎሪ ንላዕሊ ምውሳድ፡ ካብ ዓቐን ንዝሓለፈ ርጉዲ የቃልዕ። ምኽንያቱ እቲ ትርፊ ካሎሪ ከም ስብሒ ስለዝኽዘን እዩ።
  • ዋላ እቲ እንወስዶ ትርፊ ቁሩብ ይኹን፡ መዓልታዊ ይእከብ እዩ።

ልዕሊ ክልተ ኢድ ብሪጣንያውያን ዓበይቲ፡ ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ርጉዲ ኣለዎም።

ተመራማሪት ፕሮፌሰር ኣማንዳ ዳለይ፡ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መልክዑ ብዛዕባ ዝበልዖን ዝሰትዮን ጠቓሚ ውሳነ ክውስንን ኣካላዊ ንቕሓት ክህልዎን ንምሕጋዝ ድልየት ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ መጠን ካሎሪ ንምጥፋእ ዝወስደሉ ግዜ ኣብ ምግቢታት ክጸሓፍ እንከሎ፡ ሰባት ዝምገብዎ ዘለዉ ነገራት ክርድኡ ከምዝሕግዝ ትዛረብ።

ፕሮፌሰር ኣማንዳ፡ ሰባት ነቲ ዝወስድዎ ካሎሪ ንምቅጻል ክንደይ ዝኣክል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዘለዎም እንተዝፈልጡ ክድንግጹ ይኽእሉ እዮም ትብል።

''ሰባት ኣብ ምግቢ ዘሎ መጠን ካሎሪ ብዙሕ ግዘ የናእስዎ እዮም'' እትብል ፕሮፌሰር ኣማንዳ፡ ''ንኣብነት 500 ካሎሪ ዘለዎ ቸኮላታ እንተገዚእካ፤ 50 ደቒቓ ምጉያይ የድልየካ ማለት እዩ'' ትብል።

ስለዚ ሰባት ምግቢ እንትወስዱ ብዛዕባ ነቲ ካሎሪ ንምውጋድ ዝኸፍልዎ ዋጋ ክሓስቡ ኣለዎም።

''ነቲ ዝበላዕኽዎ ቸኮላት ንምቅጻል ክልተ ሰዓት ክጎዪ ዶ ይግበኣኒ?'' ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም ትብል።

ሮያል ሶሳይቲ፡ እቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝደሊ።

እቲ ትካል ''ኣናእሽቱ ለውጢታት ኣብ ኣጠቓቕማ ካሎሪ ኢሉ'ውን ኣብ ክብደት ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም'' ይብል።

እንተኾነ በዚ መልክዑ ካሎሪ ምግቢ ክግለጽ ምግባር ጸገም ኣመጋግባ ንዘለዎም ሰባት ከይጎድእ ስክፍታታት ዝፈጠረሎም 'ውን ኣለዉ።