ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ከይተበላሸወ ንሓደ ሓመት ክጸንሕ ዝኽእል ፍረ ቱፋሕ ኣማዕቢሎም

ኣብ ኣሜሪካ ብተመራመርቲ ዝማዕበለን ኣብ ፍሪጅ ክሳብ ሓደ ዓመት ከይተበላሸወ ክጸንሕ ዝኽእል ሓድሽ ዘርኢ ቱፋሕ (ኣፕል] ሎሚ ሰንበት ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ።

እዚ ሓድሽ ዓይነት ቱፋሕ ቅድሚ ምምዕባሉ፡ 'ኮስሚክ ክሪፕስ' ዝበሃል ዓይነት ካብ 1977 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን ይፈርይ ከምዝነበረ ይግለጽ።

ኮስሚክ ክሪስፕ ዝብል ስም ዝተወሃቦ ኣብቲ ኣዝዩ ደሚቕ ወይ ጽልም ዝበለ ቀይሕ፡ ኣዝዮም ደቀቕቲ ጸዓዱ ነጠብጣባት ስለዘለዉ፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ምሸት ዝረኣይ ሰማይ ስለዘምስሎ እዩ።

ኣብ ዋሺንግተን ዝርከቡ ሓረስቶት ጥራይ ነቲ ሓድሽ ዓይነት ቱፋሕ ንዝቕጽል 10 ዓመት ከፍርይዎ ፍቓድ ረኺቦም ኣለዉ።

"ብቐሊሉ ፈረኽረኽ ክብል [ክስበር] ዝኽእል ቱፋሕ እዩ። ዝተመጣጠነ ምቁር ጣዕሚ ዘለዎን ብቐሊሉ ዝጽሞቕን'ዩ" ኢላ ኣብ ፕሮግራም ምምዕባል'ቲ ቱፋሕ ተሳታፊት ዝነበረት ኬት ኢቫንስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን።

ውሽጡ ቀልጢፉ ሕብሩ ከምዘይቕይር ብምግላጽ "ካብ 10 ክሳብ 12 ወርሒ ኣብ ውሽጢ መዝሓሊ (ፍሪጅ) ጸኒሑ ንመግብነት ክውዕል ብቑዕ'ዩ" ኢላ።

ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 12 ሚልዮን ዓይነት 'ኮስሚክ ክሪፕስ' ዝበሃል ቱፋሕ ተተኺሉ እንተሃለወ'ኳ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጥቡቕ ስርዓት ኣወሃህባ ፍቓድ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ሓረስቶት ነዚ ፍረ ከፍርዩ ዕድል ኣይሃቦምን።

ኣብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ካብ ዝቐርቡ ዓይነታት ቱፋሕ ዝለዓለ እጃም ዘለዋ ግዝኣት ዋሺንግተን'ያ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቱፋሕ ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ተቕርብ።

ቱፋሕ ድማ ኣብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ካብ ሙዝ (በናና) ቀጺሉ ዝለዓለ ተጠላብነት ዘለዎ ፍሩታ'ዩ።