ኩባንያ ሳምሰንግ እግሪ እግሪ ዋናኣ እናሰዓበት ንኩነታቱ እትከታተል ኩዕሶ ምሂዙ

ምንጪ ስእሊ, Samsung
ሳምሰንግ እግሪ እግሪ ወናኒኣ እናተንከራረወት እትከታተል፡ ቦሊ ዝተበሃለትን ክንዲ ኩዕሶ ቴኒስ ሜዳ እትኸውንን ሮቦት ኩዕሶ ኣላልዩ።
ቦሊ ንምንቅስቓስ ዋናኣ እናተኸታተለት ፍልይ ዝበሉ ኣጋጣሚታቱ ብቪድዮ ቐዲሓ ክትስንዶ ብዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተምሃዘት እቲ ኩባንያ ኣብ ዘዳለዎ መላለዪ መድረኽ ኣፍሊጡ።
እታ ኩዕሶ፡ እግሪ እግሪ ፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ኩባንያ ሳምሰንግ ኤች ኤስ ኪም እናሰዓበት ኣብቲ መድረኽ ተራእያ።
ሓደ ተንታኒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ምህዞ ዘዘናግዕ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ቁሩብ ግን ኣብ መደያይቦ ክትኽተለካ ከምእትጽገም ሓቢሩ።
ቦሊ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝርከቡ ውጽኢታት ቴክኖሎጂታት [ስማርት ዲቫይስስ] ክንቀሳቐሱ ክትገብር ትኽእል። ንኣብነት ጽርየት ገዛ ከድልይ ከሎ፡ ማሽን ጽርየት ክንቀሳቐስ ትገብር።

ምንጪ ስእሊ, Samsung
ንብሑትነት/ምስጢራውነት ከምኡ'ውን ንድሕነት ዳታ ክብ ከምእተብሎ'ውን ሓቢሩ።
እታ ኩዕሶ መዓዝ ናብ ዕዳጋ ከምእትቕርብን ዋግኣ ክንደይ ከምዝኸውንን ግን ኣይተፈለጠን።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







