ኩባንያ ሳምሰንግ እግሪ እግሪ ዋናኣ እናሰዓበት ንኩነታቱ እትከታተል ኩዕሶ ምሂዙ

ሮቦት ኩዕሶ - ቦሊ

ምንጪ ስእሊ, Samsung

መግለጺ ስእሊ, እታ ኩዕሶ - ቦሊ - ዝብል ስም ተዋሂብዋ'ሎ

ሳምሰንግ እግሪ እግሪ ወናኒኣ እናተንከራረወት እትከታተል፡ ቦሊ ዝተበሃለትን ክንዲ ኩዕሶ ቴኒስ ሜዳ እትኸውንን ሮቦት ኩዕሶ ኣላልዩ።

ቦሊ ንምንቅስቓስ ዋናኣ እናተኸታተለት ፍልይ ዝበሉ ኣጋጣሚታቱ ብቪድዮ ቐዲሓ ክትስንዶ ብዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተምሃዘት እቲ ኩባንያ ኣብ ዘዳለዎ መላለዪ መድረኽ ኣፍሊጡ።

እታ ኩዕሶ፡ እግሪ እግሪ ፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ኩባንያ ሳምሰንግ ኤች ኤስ ኪም እናሰዓበት ኣብቲ መድረኽ ተራእያ።

ሓደ ተንታኒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ምህዞ ዘዘናግዕ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ቁሩብ ግን ኣብ መደያይቦ ክትኽተለካ ከምእትጽገም ሓቢሩ።

ቦሊ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝርከቡ ውጽኢታት ቴክኖሎጂታት [ስማርት ዲቫይስስ] ክንቀሳቐሱ ክትገብር ትኽእል። ንኣብነት ጽርየት ገዛ ከድልይ ከሎ፡ ማሽን ጽርየት ክንቀሳቐስ ትገብር።

ኩዕሶ - ቦሊ- ንፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ኩባንያ ሳምሰንግ እናሰዓበቶ

ምንጪ ስእሊ, Samsung

መግለጺ ስእሊ, ኩዕሶ - ቦሊ- ንፕረዚደንትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ኩባንያ ሳምሰንግ እናሰዓበቶ

ንብሑትነት/ምስጢራውነት ከምኡ'ውን ንድሕነት ዳታ ክብ ከምእተብሎ'ውን ሓቢሩ።

እታ ኩዕሶ መዓዝ ናብ ዕዳጋ ከምእትቕርብን ዋግኣ ክንደይ ከምዝኸውንን ግን ኣይተፈለጠን።