ምህርቲ ሓረስቶት ኣፍሪቃ ብ 20 ሚኢታዊት ዘዕቢ ምህዞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ሕርሻ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ንሓረስቶት ኣፍሪቃ፡ ካብ ሓሰኻ ዘራእቲ፡ ሓሸራን ኩብኩብታን ብኣግኡ ዘጠንቅቕ ኣማዕቢሎም።
ኣብ ሕርሻ ነዊሕ ተመኩሮ ዘለዎ ዶክተር ተስፋይ ድማ፡ እዚ መሳርሒ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕባር ሓረስቶት ብትካላት መንግስትን ብሕትን ክድገፉ ይግባእ ኢሉ።
እቲ ብኣሕጽሮት 'ፕራይስ' ዝተሰምየ፡ ብደገፍ ኮምፒዩተር፡ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሓደጋ ባልዕ ዘራእቲ ዘቕርብ ትካል፡ ውህሉል ዳታ፡ መጠን ሙቐትን ኩነታት ክሊማ ኣየርን ኣጽኒዑ እዩ ገምጋሙ ዝህብ።
ኣብ ጥዕና እንስሳታትን ኣዝርእትን ሞያዊ ምኽርን ትምህርትን ዘቕርብ ዶክተር ተስፋይ፡ ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ከኣ እቲ ቐደም፡ ሕርሻ ናይ ዘይተማህረ ሰብ ስራሕ ጌርካ ይውሰድ ምንባሩ ይሕብር።
ንሱ ንባዕሉ ንዩኒቨሪሲቲ ኣብ ዝተጸምበረሉ እዋን እቲ ዝመረጾ ዓውደ ትምህርቲ "ሕክምና!" ከጽንዕ ዕድል ስለዘይረኸበ ስነ- ሕርሻ ከጽንዕ ከምዝተቐሰበ፤ ዳሕራይ ግን ንብዙሓት ሓረስቶት ስለዝረድአ ብሞይኡ ከምዝሕበን ይዛረብ።
እቲ ብማእከል ሕርሻን ባዮሳይንስ ኣህጉራዊ ምዕባለ ትካል ዓዲ እንግሊዝ ዝድገፍ ማእከል ሓበሬታ፡ ንሓረስቶት ብዛዕባ ባልዕ ዘራእቲ ዘማኽር "ሓካይም ዘራእቲ" ዝተሰምየ ክሊኒክ ኣቚሙ'ሎ።
እቲ ትካል ካብ ሳተላይት ብዝተኣከበ ዳታን ብመጽናዕትን ተመኩሮን ብዝተዋህለለ ሓበሬታን እዩ ምኽሪ ዝህብ።
ንኣብነት፡ እቲ ሳተላይት፡ ባልዕ ዘራእቲ ክራብሕሉ ዝኽእሉ ርጉጽ መጠን ሙቐት ሓመድ ይምዝግብ እሞ እቲ ሓበሬታ ምስ ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ብምውህሃድ ሓረስቶት፡ ንግራውቶም ኣቐዲሞም ጸረ ባልዕን ንክንስንሱሉ ምኽሪ ይወሃቡ።
"ሓኪምን ሓረስታይን ሓደ ኢዮም" ብምባል ብንጽጽር ዝገልጾም ዶክተር ተስፋይ፡ "ክልቲኦም ትንፋስ ንዘለዎም ፍጡራት ኢዮም ዝከናኸኑ፡ ህይወት ንዘለዎ ፍጥረት ምእላይን ምክንኻንን ከኣ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን" ይብል።
እቲ ብኪኢላታት ዝተመስረሐ ሓበሬታ ናብ ቴሌፎን ሓረስቶት መጠንቀቕታ ይልእኽ'ሞ፤ ሓረስቶት ንምክልኻል እቲ ባልዕ ብዝወሃቦም ምኽሪ ኣገዳሲ ስጉምቲ ይወስዱ።
እዚ ምዕባለ እዚ ምህርቲ ሓረስቶት ብ20% ከምዝውስኸሉ ይሕበር።

ምንጪ ስእሊ, SIMON MAINA
እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ማእከል ሓበሬታ ዛጊት ኣብ ኬንያ ጋና ዛምቢያ ዝርከብ ኮይኑ ናብ ካልእ ክፍለ ዓለም እውን ከም ዝዝርጋሕ እቲ ትካል ይሕብር።
እቶም ሓካይም ንውጽኢት ምርምሮም ዝስንድ መተግበሪ (ኣፕ) ብምምዕባል ንዓይነታት እቲ ባልዕ ኣለልዮም፡ ንሓረስቶት እቲ ዝግባእ መድሓኒት ንክጥቀሙ ይእዝዙሎም።
ኣብ ቡንጎማ ኬንያ ዑፉን ዝዘርአ ሓረስታይ ዋልተር ዋፉላ፡ እቲ ትካል፡ ምህርቱ ንምዕባይን ባልዕ ንምክልኻልን ማዕረ ክንደይ ከም ዝደገፎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እኹል ምህርቲ ስለዝረኸብኩ ህይወተይ ተመሓይሹ ደቀይ እውን ናብ ደሓን ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ኪኢሎም" ይብል።
ክሳብ ሕጂ እቲ ትካል ኣብ 34 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤሽያን ኣመሪካን ን18.3 ሚልዮን ሓረስቶት ሓገዝ ሂቡ ኣሎ።
ብዝገብሮ ሞያውን መጽናዕታውን ደገፍ ከኣ፡ እቶት ምህርቲ ብማእከላይ ገምጋም ብ 13% ምውሳኹ ይሕብር።
ይኹን እምበር ቀንዲ ኣማኻሪ እዚ ብማእከል ሕርሻን ባዮሳይንስን ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ምዕባለ ትካል ዓዲ እንግሊዝ ፕሮፌሰር ቻርሎት ዋትስ፡ እቲ ንሓረስቶት ዘማኽር ማእከል ሓበሬታ ክሊኒክ፤ "ሓካይም ዘራእቲ" ንሓረስቶት ኣንጻር ባልዕ ዘራእቲ ብኣግኡ ሓበሬታ ብምሃብ ከምዝድግፎም ትሕብር።

ምንጪ ስእሊ, GABI
እቲ ሓሳብ ትብል ንሳ፡ እቲ ትካል ነቲ ካብ ሳተላይት ዝተኣከበ ዳታ (ሓበሬታ) ምርኩስ ብምግባር መዓስ እንታይ ዓይነት ጸገም ክኽሰት ይኽእል ብምግምጋም፡ ሓረስቶት ካብ ባልዕ ዘራእትን ሓሸራን ኣቐዲሞም ክከላኸሉ ንምሕጋዝ እዩ ትብል።
ፕሮፊሰር ዋትስ "ሓረስቶት ብሳይንስ ተሓጊዞም ጽቡቕ ምህርቲ ከፍርዩን ንደቆም ናብ ዝሓሸ ቤት ትምህርቲ ክሰዱን እዩ እቲ ዕላማ" ብምባል ቀንዲ መደብ እቲ ትካል፡ እቶት ሓረስቶት ምስሳን ምዃኑን ዛጊት ዝምስገን ውጺኢት ከም ዘርኣየን ንቢቢሲ ሓቢራ።
ብተወሳኺ፡ ፕሮፊሰር ዋትስ፡ "እንተደኣ ንሓረስቶት ኣቐዲምና ሓበሬታ ብምስናቕ ዘራእቶም ካብ ባልዕ ተኸላኺሎም ምህርቶም ከኻዕብቱ ኪኢሎም፡ ድኽነት ኣብ ምውጋድ እጃም ንጻወት ኣሎና ማለት እዩ" ክትብል ርእይቶኣ ሂባ።
ሓረስቶት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ዝጎድሎም ነገር እኹል ሳይንሳዊ ምኽርን ሓገዝን እዩ።
ብዘበናዊ ቴክኖሎጂን ግብራዊ ምርምርን ተደጊፉ ንሓረስቶት ግቡእ ሓገዝን ደገፍን ዝህብ ማእከላት ሕርሻ ዘይምህላዉ ሓረስቶት እዝጎምን ዕድሎምን ኣሚኖም እዮም ዝወፍሩ።
ዓመት ምሉእ ደኺሞም ከኣ ኣብ መወዳእታ፡ ተመስገን መሊኦም እዝጎም ዝሃቦም ምህርቲ ይሓፍሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







