እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጫ ሎተሪ ዝተዓወተት ጋዜጠኛ ስፔን ሓጎሳ ክትሓብእ ብዘይምኽኣላ ይቕሬታ ሓቲታ
ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን እናሃለወት ዕጫ ሎተሪ ከም ዝተዓወተት ሰሚዓ፡ "ጽባሕ ናብ ስራሕ ኣይመጽእን'የ" ዝበለት ጋዜጠኛ ይቕሬታ ሓቲታ።
ኣብ ኣርቲቪ (RTVE) ንዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ስፔይን እትሰርሕ ናታሊያ እስኩድሮ፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን እንከላ፡ ዕጫ ሎተሪ 5550 ዶላር ከም ዝተዓወተት ምስ ሰምዐት፡ ብሓጎስ እናኣእወየት'ያ፡ ናብ ስርሓ ከም ዘይትመጽእ ተዛሪባ።
ናታሊያ እስኩድሮ፡ በቲ ዘርኣየቱ ስምዒት ተጣዒሳ ይቕሬታ ሓቲታ።
እቲ ዝለዓለ ሽልማት ሎተሪ ልደት ስፔይን 4 ሚሊዮን ዩሮ ኮይኑ እዚ ገንዘብ ንብዙሓት ተዓወትቲ ዝካፈል'ዩ።
ናታሊያ "ስምዒታዊት" ኮይና ብምዝራባ ጽቡቕ ስምዒት ንዘይተሰምዖም ተኸታተልቲ መብርሂ ከም እትህብ ተዛሪባ።
ናታሊያ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ክትህብ ዝተገደደት፡ ምስላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ምስ ርኣየት ኮይኑ፡ ሞያዊ ስነ ምግባር ይውሕዳ'ዩ ዝብል ክሲ ቐሪቡላ'ዩ።
ኣብ ስነ ስርዓት ሽልማት እቲ ዕጫ ሎተሪ ሻማፕኝ ተኸፊቱ ዓብዪ ዕጫ ወግዓዊ እንትግበር፡ ናታሊያ ብሓጎስ እናነጠረት ብቴሌቪዥን ተራእያ'ያ።
ቑጽሪ ዕጫ ሎተሪ ልደት እዚ ዓመት 26590 ነይራ።
ናታሊያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተውሃባ ርኢይቶ ብትዊተር መልሲ ሂባትሉ'ያ።
ንኣዋርሕ ብውልቃዊ ምኽንያት ጸገም ኣጓኒፉዋ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ናይ 25 ዓመት ናይ ጋዜጠኝነት ህይወታ ብቕንዕና ተጊሃ ምስርሓ ከም ዘኹርዓ ገሊጻ።
"ናታሊያ እስኩድሮ መታለሊትን ሓሳዊትን ጋዜጠኛ ኣርቲቪኢ" ተባሂላ ብትዊተር ክትንቀፍ ከላ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ምድንጋር ይቕረታ ሓቲታ።