እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣንጻር ኢቦላ ይቃለስ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተቐቲሉ
ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብዛዕባ ቫይረስ ኢቦላ ግንዛበ ዘዕብዩ መደባት የቕርብ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተቐቲሉ።
መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ንገዝኡ ብምኽባብ ንዕኡ ከም ዝቐተሉን ንበዓልቲ ገዝኡ ከም ዘቑሰልዋን ሰራዊት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ንመንበሪ ገዝኡ ድማ ኣቃጺሎምዎ ከይዶም።
እታ ሃገር ብሕሱም ቫይረስ ኢቦላ ዜጋታታ ትስእን ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ኣብ መኸተ'ቲ ቫይረስ ዝወፈሩ ሰባት ዒላማ መጥቃዕቲ ይኾኑ ምህላዎም ይግለጽ።
ጎንጽታት ንኽውላዕ ምኽንያት ይኸውን ዘሎ ድማ፡ "እቲ ቫይረስ የለን፤ ሓሶት'ዩ" ዝብል እምነት ገለ ዜጋታት፡ ነቶም ኣብ ምክልኻል ዝወፈሩ ብዓይኒ ጥርጣረ ክረኣዩ ስለዝገብር'ዩ።
ቫይረስ ኢቦላ፡ ስራሕን ገንዘብን ንምርካብ ኮነ ኢልካ ብሰብ ሞያ ሕክምና ዝተመሃዘ ሽጣራ ከም ዝኾነ ዝኣምኑ'ውን ኣለዉ።
ቅትለት ጋዜጠኛ
ጋዜጠኛ ፓፒ ሙምበሬ ቅድሚ'ቲ ናብ ሞት ዘሳጥሖ መጥቃዕቲ ኣብ ጉዳይ ኢቦላ ግንዛበ ዘስፍሕ ፕሮግራም ሬድዮ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ንሱ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ከም ዝተቐተለ፡ ጃክዊስ ካምዊና ዝተበሃለ ጋዜጠኛ ናይቲ ሙምበሬ ይሰርሓሉ ዝነበረ ጣብያ ሬድዮ ንወኪል ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ተዛሪቡ።
ኣንጻር ኢቦላ ኣብ ዝካየድ ምንቅስቓስ ብደረጃ ሃገር ዘተሓባብሩ ፕሮፌሰር ስቲቭ ኣሁካ፡ ኣብቲ መኸተ ዝነጥፉ ብዙሓት ወለንተኛታት ከም ዝተቐተሉ ንመረዳእታ ሰራዊት'ታ ሃገር ጠቂሱ ይዛረብ።