እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጋንዳ፡ 7 ሰባት ብለበዳ ሕማም ኢቦላ ተለኺፎም
ኣብ ዩጋንዳ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ ብለበዳ ሕማም ኢቦላ ከም ዝሞተ ሰብመዚ ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ሞት ናይዚ ካብ ኮንጎ ከም ዝመጸ ዝንገረሉ ዘሎ ቆልዓ ኣብ ዩጋንዳ ናይ መጀመርታ'ኳ እንተኾ፡ ነሸውዓት ሰባት'ውን በቲ ለበዳ ተለኺፎም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ'ሎ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ኡጋንዳ ዝኾነት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሰብ ክቐትል ዝጸንሐ ሕማም ኢቦላ፡ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ክረአ ናይ መጀመርታ እዩ።
እዚ ሕማም፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ 2000 ሰባት ክረአ እንከሎ እቶም ዝበዝሑ ሞይቶም'ዮም።
እዚ በዚ ሕማም ሞእቱ ዘሎ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኡጋንዳዊ ህጻን ሰንበት ምስ ስድርኡ ኣብ ዶባት እዘን ክልተ ሃገራት ተንቀሳቒሱ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ደም ከምልስ ምስ ጀመረ ናብ ናይ ኡጋንዳ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
እቲ ዝተራኣዮ ምልክታት፡ ምልክት ሕማም ኢቦላ ምኻኑ ብኡጋንዳዊ ትካል ብሰሉስ ምስ ተረጋገጸ እዩ ብሰብ መዚ ተሓቢሩ።
ምስቲ ህጻን ቐጥታዊ ርክብ ዝነበሮም ካልኦት ሸሞንተ ሰባት'ውን ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ጥዕና መንግስቲ ኡጋንዳ ንዝወሰዶ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ንኢዱ።