ኣብ ኡጋንዳ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ተፈቲሖም

ኣብ ዩጋንዳ ዝካየድ ዘይሕጋዊ መሸጣ ናይ መንግስቲ ኣፋውስ ዝምልከት መደብ ንምስራሕ ዝሃቀኑ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ተኣሲሮም ነይሮም።

እዞም ጋዜጠኛታት ሎሚ ሓሙስ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ'ሎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኡጋንዳ እቶም ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ንክፍትሑ ጠሊቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

እቶም ወሃቢ ቃል፡ ዋላ እኳ ፖሊስ ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዝኣሰረሉ ምኽንያት እንተዘይፈለጡ፡ ብዘይገለ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ኣለዎም ኢሎም ነይሮም።

ቢቢሲ ብወገኑ ጋዜጠኛታቱ ንክፍትሑ፡ ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ እዩ።

"ፖሊስ ንምንታይ ነዞም ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰሮም ዛጊድ ኣይበርሃለይን። ብናተይ እምነት ግን፡ ኣብቲ ስርዓት ዘሎ ብልሹው ነገር መንግስቲ ክርደኦ እዮም ዝሕግዙ ነይሮም" ኢሎም ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኦፍዎኖ ኦፖንዶ።

"ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ እዩ ዘለዎም" ድማ ኢሎም ነይሮም።