እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህይወት ድሕሪ ሕማም ኢቦላ
ቀዛፊ ቫይረስ ኢቦላ፤ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ላይበርያ፤ ጊኒን ሰራሊዮንን ካብ ዝኽሰት ዱሮ ኣርባዕተ ዓመት ኮይኑ'ሎ። ሁ ኪንሰላ ኩኒንግሃም ህይወት ውጻእ መዓት እቲ ሕማም ብስእሊ ሰኒዱዎ'ሎ።
ቫይረስ ኢቦላ ፈለማ አብ 1976 ይረኸብ እምበር፤ አብ 2014 ዳግማይ ምስ ተኸስተ ግን ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ሕማማት ንህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ዝቐዘፈ ይዝከር ።
እዚ ሕማም ዝበዝሐ እዋን ነቶም ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ነበርቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ'ዩ ዘጥቅዖም።
ኤቫ ናህ፡ "ሰዓት ሕላፍ ንሕሙማት" ዝብል መምርሒ ኣብ ዘውጽኣሉእዋን ፤ተቓዉምኡ ከስምዕ ናብ ኣደባባይ ዝወጸ መንእሰይ ዉሉዳ ዝሰኣነት ኣደ'ያ።
ንሱ ብጥይት ተወቒዑ ቅድሚ ሙማቱ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪን መካኒክን ናይ ምዃን ሕልሚ እዩ ነይሩዎ እንተኾነ፡ ሕልሙ ከምዝመኸነ ትዛረብ።ይኹን እምበር ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ መንግስቲ እታ ሃገር ንኤቫ ዝሃባ ናይ ገንዘብ ካሕሳ፤ ንመምሃሪ ቖልዑ ከም ዝወፈየቶ ይዝከር።
ብሰንኪ'ቲ ቐዛፊ ቫይረስ ሓፍታ ዝሰኣነት መንእሰይ ካሮል ብወገና፤ ቕድም ክብል ኣብ ቀጽሪ መንገዲ 'ወስት ፖይንት' መግቢ ሸይጣ ብዝኣከበቶ ገንዘብ መነባብሮኣ ንምምሕያሽ ፤ ዘድልያ መሳሪሒታት ኣይስ ክሪም ሸሚታ ኣብ ስራሕ ተዋፊራ ትርከብ።
ኣላይት ሕሙማት ኮይና ኣብ ሰሜን ሞንሮቫ ዝርከብ መደብር ጥዕና እተገልግል ኢታ ሮባር፤ 10 ዝኣኽሉ ሕሙማት ዓበቕን ዓሶን ትኣሊ።
ዋና እታ መደብር ጥዕና ረጂናልድ ካህወ'ውን፤ በቲ ቫይረስ ክልቲኦም ስድራ ቤቱ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ምዕሩይ ሕብረተ ሰብ ንምምስራትን ነቶም ዝሓለፉ ብጾቱ ንምዝካር ናይ ገንዘብ ወፈያ ገይሩ።
ቅልዉላዉ ሕማም ኢቦላ፡ ንኣሰራርሓ መደበር ጥዕና ላይበርያ ዓቢ ፈተነ እንተነበረ ፤ ብሰንኪ እቲ ንኣስታት 14 ዓመታት ዝተኻየደ ኩናት ሓድሕድ ዝተባላሸወ ትሕተ-ቕርጺ ንኣገልግሎት ጥዕና ከም ዘዛሕተሎ ይፍለጥ።
እተን በዚ ሕማም ዝተጠቕዓ ቦታታት ወስት ፖይንት፤ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ምስ ኣህጉራዉን መንግስታዉን ትካላት ጥዕናን ብምትሕብባር ዘይንቡር ኣንፈት ሕማማትን ሞትን ንምክኻል ጥንቁቕ ምክትታል አካይዶም።
ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑት ጀይ ሮባርት፣ ብዓልቲ ቤቱ ብሕማም ኢቦላ ኣብ ዝሞተትሉ እዋን ሬሳኣ ብሓዊ ስለ ዝነደደ፡ "ንሓዋሩ ተፈልያትኒ" ይብል።
ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ጉድለት ጽሬት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምክያድ ከኣ ደቁ የዕቢ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ኣወንታዊ ዝኾነ ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎት ጥዕና እኳ እንተተራእየ ፤ መጻኢ ህይወት እቶም ካብዚ ሕማም ዝደሓኑን ኣብ ምዉጋን ሬሳታት ዝዋፈሩ ዝነበሩ ሰባት ግን ኣብ ምልክት ሕቶ ይርከብ።
ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ኣብ ምውጋን ሬሳታት እቶም ብሰንኪ ሕማም ኢቦላ ሂወቶም ዝሳኑ ሰባት ዝዋፈሩ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፡ ዝበዝሑ ደቂ ሴራሊዮን ኮይኖም፤ ደሞዞም ግን ኣዝዪ ትሑት ምንባሩ ሓደ ብመንግሰቲ ዝተቖጽረ ሰራሕተኛ ሓቢሩ።
ኣብ ጽምብል ስነ ስርዓት ቀብሪ ምስ ሬሳ ምትንኻፍ ምስዝፍጠር ንህይወት እቶም ሰራሕተኛታት ኣስጋኢ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መነባብሮኦም ኣሉታዊ ጽልዋን ድኽነትን ከም ዘሰዕበሎምን ተኻረይቲ ንምርካብ አዘዩ ኣጸጋሚ ክምዝኾኖን ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሩ ዝነበረ ሞርላ ካርቦ መረርኡ ገሊጹ።